Saturday , April 20 2024

ኤውሮፓዊ ሕብረት፡ ናይ ክታበት ፓስፖርት ኣብ መወዳእትኡ ኣብጺሑ

ኤውሮፓዊ ሕብረት፡ ካብ 01 ሓምለ ጀሚሩ፡ ንመስርሕ መገሻ ንምቅላል፡ ናይ ክታበት ፓስፖርት ኣብ ግብሪ ከውዕል ምዃኑ ኣፍሊጡ። ኣባላት ኤውሮፓዊ ሕብረት ዝኾና ሃገራት፡ ምስ ኤውሮፓዊ ፓርላማ፡ ዝርርብ ክገብራ ድልዋት ምዃነን ተፈሊጡ ኣሎ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።

ኣምባሳደራት ናይተን 27 ኣባላት ኤውሮፓዊ ሕብረት ዝኾና ሃገራት፡ ነቲ ብኤውሮፓዊ ኮሚሽን ዝቐረበ ብቀጠልያ ኤሌክትሮኒካዊ ሰርቲፊከት ዝፍለጥ ናይ ክታበት ፓስፖርት፡  ትማሊ ሰሉስ፡ ርእይቶታተን ከምዝሃባሉ ይፍለጥ።

እዚ ቀጠልያ ኤሌክትሮኒካዊ ሰርቲፊኬት፡ ኣብ ቦታ ናይ መገሻ ዶክመንታት ኮይኑ ክሰርሕ ኣይክእልን እዩ። ነፍሲ ወከፍ ሃገር፡ ምስ ጥዕናዊ ኩነታት ብዝተሓሓዝ ናይ ገዛእ ርእሳ መምርሒታትን ቀይድታትን ከህልዋ ይኽእል እዩ ክብል እቲ ኤውሮፓዊ ኮሚሽን ኣብሪሁ።

ኣብ መወዳእት ናይ ወርሒ ሚያዝያ፡ ብጉዳይ እዚ ሰርቲፊኬት፡ ኤውሮፓዊ ፓርላማ፡ ክመያየጥ እዩ። ኣብ መጅማር ናይ ወርሒ ግንቦት ድማ እተን ኣባላት ሃገራት ዝርከባሉ ናይ መወዳእታ ዝርርብ ድሕሪ ምክያዱ፡ ኣብ ምጅማር ወርሒ ሓምለ፡ ኣብ ግብሪ ክውዕል ምዃኑ ተሓቢሩ።  


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com