Wednesday , April 24 2024

እሙን ጸብጻብ ብዛዕባ ለበዳ ኮቪድ-19

ካብ ሕማም ለበዳ ብኸመይ ከምትቚጠብ ኣብ’ዚ ታሕቲ ብዙሓት ምዕዶታት ተመልኪቶም ኣለዉ።

ንባዕልኻን ንኻልኦትን ካብ ለበዳ ሕማም ተኸላኸል

Skydda dig själv och andra på tigrinja.

ካብ ጥቓ ዝሓመሙ ሰባት ምዃን ተቖጠብ። ከምኡ ምስትገብር ንባዕልኻን ንኻልኦትን ከይትሓሙ ትኸላኸል ኣለኻ ማለት’ዩ።

ካብ ሕማም ለበዳ ብኸመይ ከምትቚጠብ ኣብ’ዚ ታሕቲ ብዙሓት ምዕዶታት ተመልኪቶም ኣለዉ።

እንተ ሓሚምካ ኣብ ገዛ ኹን

ዝሓመምካ ኾይኑ እንተ ተሰሚዑካን ነድሪ ኣፍጫ(ዓፍ-ዓፍታ)፡ ሰዓል ወይ ረስኒ እንተለካ፡ ካብ ስራሕ ወይ ትምህርቲ ቦኺርካ ኣብ ገዛ ኩን ወይ ትረፍ። ከምኡ ምስትገብር ንካልኦት ሰባት ኣይትልብድን። ወላ’ውን ንኡሽተይ እንተ ሓሚምካ ከምኡ ግበር።

ሓሚምካ ክሳብ ዝተሰመዓካ፡ ኣብ ገዛ ኹን ወይ ትረፍ። ሕማምካ እንተ በርቲዑካን ኣብ ገዛኻ ኮይንካ ጽሬት ነብስኻ ክትሕሉ እንተ ዘይኪኢልካ፡ ሕክምናውን ክንክናውን ምኽሪ መታን ክትረክብ 1177 ደውል (ብሽወደንኛን እንግሊዝኛን)።

ምስ ሓወኻ እንተ ወሓደ ክልተ መዓልትታት ተወሳኺ፡ ስራሕ ወይ ትምህርቲ ከይከድካ፡ ኣብ ገዛ ጽናሕ።

ኣረገውቲ ሰባት ኣጸቢቖም ክሓሙ ዓቢ ሓደጋታት ኣለዎም። ስለ’ዚ ግድን እንተ ዘይኮይኑ ኣብ ሕምክና ወይ ኣብ እንዳ ኣረገውቲ ኬድካ ክብጻሕ ከም ዘይብሉ ምፍላጡ ኣገዳሲ’ዩ። ሒደት ዝሓመምካ ኮይኑ እንተ ተሰሚዑካ፡ ካብ ከም’ዚ ዝኣመሰለ ምብጻሕ ተቖጠብ። ስራሕኻ ዓበይቲ ምእላይ እንተኾይኑ፡ ሰዓል ወይ ጉንፋዕ እንተለካ፡ ስራሕ ኣይትኺድ።

ምልክታት ሕማም ኮቪድ-19 ኣስተውዕለሎም

ቀንዲ ምልክታት ሕማም ኮቪድ-19 ረስንን ምስዓልን እዩ። ወላ’ውን ጸገማት ምስትንፋስ፡ ቃንዛ ጐረሮ፡ ሕማም ርእሲ፡ ቃንዛ ጭዋዳታትን ቃንዛ መላግቦ ዓጽምን’ውን ዝውቱራት ምልክታት ሕማም እዮም። ንመብዛሕቶም ሰባት ኣብ ገዝኦም ባዕሎም እንዳ ተኸናኸኑ ባዕሉ ዝጠፍእ ፈኲስ ጸገም እዩ ዝገብረሎም። ኣብ ገሊኦም ግን እቲ ሕማም ጽንኩር ስለ ዝኸውን ንኣብነት ጸገማት ምስትንፋስን ነድሪ-ሳንቡእ(ኒሞንያ) ይገብረሎም። ከም’ዚ ዓይነት ምልክታት እንተ ገይሩልካ፡ ካልኦት ሰባት ካብ ምርካብ ክትቚጠብ ፈትን።

ብዙሕ ሳዕ ኣእዳውካ ተሓጸብ

እቶም ቫይረስ ዘመሓላልፉ ባእታታት ኣዝዮም ተላባዕትን ብቐሊሉ ኣብ ኣእዳው ዝተርፉን እዮም። ካልእ ሰብ ኢዱ ምስ ትሕዞ ይመሓላለፉ። ስለ’ዚ ኣእዳውካ ብዙሕ ሳዕ ብሳምናን ውዑይ ማይን ገይርካ ን20 ካልኢት (ሰከንድ) ተሓጸብ።

ኣብ ገዛኻ ምስ መጻኻ ወይ ኣብ ደገ ጸኒሕኻ ኣብ ስራሕኻ ምስትኣቱ፡ ቅድሚ መኣዲ፡ መግቢ ክትሰርሕ ከለኻን ድሕሪ ምድረ-ቤት(ሽቓቕ) ምብጻሕኻን፡ ኲሉ ሳዕ ኣእዳውካ ተሓጸብ። ኣእዳውካ ክትሕጸብ እንተ ዘይክኢልካ፡ ኣልኮሆል ናይ ኢድ ገይርካ ኣእዳውካ ምድራዝ ከም ኣማራጺ ክውሰድ ይከኣል’ዩ።

ክትስዕል ወይ ሕንጥሸው ክትብል ከለኻ፡ ኣብ ናይ ቅድሚት ጒንቦ ኢድካ በል

ክትስዕልን ሕንጥሸው ክትብልን ከለኻ፡ ተላባዕቲ ዝኾኑን ቫይረስ ከማሓላልፉ ዝኽእሉን ደቀቕቲ ነጠብጠባት ይዝርግሑ። ኣብ ቅድሚት ጒንቦ ኢድካ ወይ ወረቐታዊ መንዲል(ቲሹ) ምስትጥቀም፡ እቲ ተላባዒ ናብ ከባቢኻ ወይ ኣብ ኢድካ ንኸይዝርጋሕ ትገትኦ ኣለኻ። ነቲ ወረቐታዊ መንዲል(ቲሹ) ኣብ እንዳ ጐሓፍ ጉሒፍካ ኣእዳውካ ትሕጸብ።

ኣዒንትኻን ኣፍንጫኻን ኣፍካን ካብ ምሓዝ ተቖጠብ

እዚ ተላባዒ በቶም ኣብ ዓይንናን ኣፍጫናን ኣፍናን ዘለዉ ልፋጫዊ መምብራና ገይሩ ይመሓላለፍ ወይ ይዝርጋሕ። ስለ’ዚ ካብ ዓይንኻን ኣፍንጫኻን ኣፍካን ምሓዝ ተቖጠብ።

ኣልኮሆል ናይ ኢድ

ማይን ሳምናን እንተዘየሎ፡ 60 ሚእታዊ ኣልኮሆል ዘለዎ ናይ ኢድ ኣልኮሆል ክትጥቀም ትኽእል ኢኻ።

ምንጪ : እዋናዊ ሓበሬታን መልሲ ናይ ዝውቱራት ሕቶታትን ኣብ’ዚ ተመልከት
www.folkhalsomyndigheten.se/covid-19


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com