Saturday , April 20 2024
Amir Cohen /AP /TT

እስራኤል፡ ክታበት ክሮና ቫይረስ ብቀዳማይ ሚኒስተራ ጀሚራቶ።

ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንያሚን ነታንያሁ ነቲ ኣብ ሃገረ እስራኤል ዝጀመረ ክታበት ናይ ክሮና ቫይረስ ብቀዳምነት ብምኽታብ ኣጀሚርዎ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ንዜጋታቱ ንምትብባዕ ብምባል ቅድሚ ኩሉ ድሕሪ ምኽታቡ ንዜጋታቱ ክታበት ክወስዱ ኣተባቢዑ።

እስራኤል ኣብ ክሳብ ሓድሽ ዓመት ኣብ ዘሎ ግዝየ ነቶም ዕስራ ሚእታዊት ዝኾኑ ኣብ ክሊ ሓደጋ ዘለው ዜጋታታ ናይ ምኽታብ ዕላማ ከምዘለዋ ተገሊጹ።

ከምዝፍለጥ እስራኤል ከባቢ 9 ሚልዮን ካብ ዝኸውን ህዝባ 372 401 ብክሮና ቫይረስ ከምተለኽፉን ክሳብ ሕጂ ድማ  ከምዝሞቱን ጸብጻባት ይሕብሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com