Thursday , April 25 2024

እስኪልስቱና፡ ዓቢ ሓደጋ ባርዕ ኣውቶቡስ ኣጋጢሙ

ሎሚ ፍርቂ መዓልቲ፡ ኣብ እስኪልስቱና ዝንቀሳቐስ ኣውቶቡስ፡ ዓቢ ናይ ባርዕ ሓደጋ ከምዘጋጠሞን ኩሎም ተጓዓዝቲ ተቐላጢፎም ብሰላም ከምዝወረዱን ተፈሊጡ። እቲ ኣጋጣሚ፡ ንመራሕ ኣውቶቡስ፡ ስንባደ ከምስዓበሉን ካልእ ዝጥቀስ ዝወረደ ማህሰይቲ ከምዘየለ TT ሓቢሩ።

ኣገልግሎት መጥፋእቲ ሓዊ፡ ሓደጋ ባርዕ ከምዘጋጠመ ዝሕብር ጥርዓን፡ ከባቢ ሰዓት 12 ድ.ቐ. እኳ እንተበጸሖ፡ እቲ ኣውቶቡስ፡ ምሉእ ብምሉእ ንኽቃጸል ግን ሒደት ደቓይቕ ከምዝወሰደሉ  ተዓዘብቲ ሓቢሮም።

ኣገልግሎት መጥፋእቲ ሓዊ፡ ነቲ ባርዕ ናብ ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ ህንጻታት ከይላባዕ ምእንቲ ከጥፍእዎ ከምዝጀመረን ፖሊስ ድማ ብወገኑ ነቶም ሰባት ካብ ከባቢ ሓደጋ ከርሕቖም ጀሚሩ።

እቲ ኣጋጣሚ ብጣዕሚ ዕግርግር ዝዓብለሎ ብምንባሩ፡ ሰባት ካብ ከባቢ ሓደጋ ንኽእለዩ፡ ፖሊስ ብተደጋጋሚ ክጽውዕ ከምዝተገደደ ሓቢሩ።

እቲ ኣጋጣሚ፡ ኮነ ኢልካ ዝተፈጸመ ክኸውን ከምዝኽእል ጋዜጣ Eskilstuna – Kuriren ካብ ሓደ ኣብ ኩባንያ ኣውቶቡሳት ሓላፊ ዝኾነ ሰብ ካብ ዝረኸበቶ ሓበሬታ ኣቃሊሓ። ንዝርዝራቱ ዝምልከት ግን ሓበሬታ ከምዘይሃበ እታ ጋዜጣ ገሊጻ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com