Saturday , April 20 2024
TT

እቲ ንመንበሪ ፍቓድ ዚምልከት ግዜያዊ ሕጊ ብናይ ሚግረሽን ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ተጣሒሱ።

ብመሰረት ማዕከን ዜና ሚግረሽን፡ ኣብዚ እዋንዚ መብዛሕትኦም ሲርያውያን ምስ ስድራቤቶም ንኪራኸቡ ኪፍቀደሎም እዩ።

ሓደ ቅድሚ ሕዳር 25-2015 ንዕቝባ ኣመልኪቱ ዝነበረ ሲርያዊ ዜጋ፡ እዚ ግዜያዊ ሕጊ ኣብ 2019 ምስ ወደቐ፡ ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ኪወሃቦ ይኽእል እዩ። እዚ በቲ ናይ ሚግረሽን ላዕለዋይ ቤትፍርዲ እዩ ኣብዚ ቀረባ ግዜ እተወሰነ።

ብመሰረት ማዕከን ዜና ሚግረሽን፡ እዚ ንግዜያዊ መንበሪ ፍቓድ ዚምልከት ግዜያዊ ሕጊ ዚቕጽል ኣይመስልን። ግን ናብቲ ናይ 2019 ቀዋሚ ምምላስ ኣይተርፍን።

ብመሰረት ማዕከን ዜናና እቲ ናይ መንበሪ ፍቓድ ቅየዳ ኣብቲ ናይ መንግስቲ ዘረባታት እተመርኮሰ እዩ።

ብመሰረት እቲ ቤትፍርዲ፡ ሓደ ሰብ ቅድሚ እዚ እተጠቕሰ ዕለት መጠየቕታ ኣቕሪቡ እንተ ነይሩ፡ ማለት እቲ ግዜያዊ ሕጊ ምስ ተኣወጀ፡ ምስ ስድራቤቱ ኪሕወስ ይኽእል እዩ፡ ወላውን ድሩት መንበሪ ፍቓድ እንተ ነበሮ ወይ ናይ ደላዪ ዕቝባ  (skyddsbehövande) ደረጃ እንተ ነበሮ።

ብመሰረት እቲ ቤትፍርዲ፡ እቲ ኣብዚ ተጠቒሱ ዘሎ ሲርያዊ ዜጋ ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ንምርካብ ድልዱል ምኽንያት ኣለዎ፡ ማለት እቲ ሕጂ ዘሎ ግዜያዊ ሕጊ ደው ምስ በለ። ምኽንያቱ ድማ እቲ ኣብ ሲርያ ዘሎ ግርጭት ቀልጢፉ ዚውዳእ ኣይመስልን እዩ።

ንሱ ኣብ 2019 ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ኪወሃቦን ምስ ስድራቤቱ ንምርኻብ ተኽእሎ ኪህልዎን እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com