Wednesday , April 17 2024
A man who was not allowed to continue working after vaccination receives compensation of SEK 80,000 from the company, according to the union Unionen (AP Photo/Andrew Medichini, file) LLT110

እንግሊዛውያን፡ ንሳልሳይ እብረ ክታበት ይዳለዉ ምህላዎም ተሓቢሩ

ኣብዚ ሰሙን’ዚ ልዕሊ 1.5 ሚልዮን እንግሊዛውያን፡ ሳልሳይ እብረ ክታበት ክወስዱ ተዳልዮም ምህላዎም ዘ ጋርድያን ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

ኩሎም ልዕሊ 50 ዓመት ዝዕድሚኦም፡ ሰራሕተኛታት ኣገልግሎት ጥዕናን ኣብ ካልእ ስራሕ ዘለዉ ጥዕናዊ ጸገማት ዘለዎምን ካብ ሰኑይ ጀሚሩ፡ መልእክታትን ደብዳቤታትን ክመጾም ምዃኑ ተሓቢሩ።

ብድሕሪ’ዚ፡ ነፍሲ ወከፍ ሳልሳይ እብረ ክታበት ክወስድ ዝደልየ ሰብ፡ ቆጸራ ብምሓዝ፡ ክታበት ፋይዘር ወይ ድማ ፍርቂ ብልቃጥ ክታበት ሞደርና ከም ዝወስድ ክኸውን እዩ።

ተሪፋ ዘላ ሳልሰይቲ ብልቃጥ ክታበት ምውሳድ፡ ንምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና፡ ንምቁጽጻር ዝሕግዝን ነቶም ተኣፋፊ ናይ ጥዕና ጸገማት ዘለዎም ሰባት፡ ናይ ምክልኻል ዓቕሞም ዘሐይል ምዃኑን ክብል ሚኒስተር ጥዕና ሽወደን ሳጂድ ጃቪድ፡ ምስታ ጋዜጣ ኣብ ዝገበሮ ርክብ ገሊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com