Wednesday , April 24 2024
(AP Photo/Vadim Ghirda) XVG112

ኦስሎ፡ ኣብ ዝመጽእ ኣየት ሰልፊ ግብረሰዶማያን ክካየድ እዩ ተባሂሉ።

ኣብ ዝመጽእ ኣየት፡ ሰልፊ ግብረሰዶማያን ኣብ ኦስሎ ክካየድ ምዃኑ ፖሊስ ኖርወይ ኣፍሊጦም። ኣብ ርእሰ ከተማ ኖርወይ ኦስሎ ክካየድ ተሓሲቡ ዝነበረ ሰልፊ ግብረሰዶማውያን፡ ብሰንኪ ኣብ ሓምለ 25 እተፈጸመ ተዂሲ ምስራዙ ዝፍለጥ እዩ።

“ፖሊስ ወረዳ ኦስሎ ዝተፈላለዩ ጽንብላት ኣብ ምድላው ዝጸንሐን ሰፊሕ ተመኲሮን ኣለዎ፡ ኣቐዲምና ልዝብን ናይ ምክልኻል ስራሕ ብምድላው ኢና ንጅምሮ፡ ብተወሳኺ ዘድሊ ጸጋታት ነፍስሰሉ ኢና” ክብል ኣብ ወረዳ ኦስሎ ሓላፊ ስታፍ ፖሊስ ሃራልድ ኒልሰን ን ጋዜጣ ኣፍቶንብላዴት ሓቢሩ።

ኣብዚ ዓመት ኣብ ሰነ 25 ክካየድ ተሓሲቡ ዝነበረ ሰልፊ ግብረሰዶማውያን፡ ክጅምር ሒደት ሰዓታት ምስ ተረፎ፡ ዛንያር ማታፑር ዝተባህለ ጥርጡር ግብረሽበራዊ ኣብ ማእከል ኦስሎ ብሰንኪ ዝወልዖ ተዂሲ ከም እተቛረጸን ብሰንኩ ድማ ክልተ ሰባት ምሟቶምን ዝዝከር እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com