Friday , April 19 2024
(Dean Lewins/AAP Image via AP) SYD801

ኦስትራልያ ዶባታ ን ኣህጒራዊ በጻሕቲ ከፊታ።

ኦስትራልያ ንኽልተ ዓመት መመላእታ ተዓጽያ ድሕሪ ምጽናሕ ዶባታ ንኣህጒራውያን በጻሕቲ ከፊታ’ላ። እዚ ውሳነ ነቶም ምስ ስድራኦም ተፈላልዮም ዝጸንሑ ሰባት ዓብዪ ሓጎስ ፈጢሩሎ። ብዘይካዚ ጽላት ቱሪዝም ኣብ ምብርባር እውን ተወሳኺ ኣወኦታዊ ስጒምቲ ምዃኑ ተገሊጹ’ሎ።

ኦስትራልያ ብምኽንያት ኮቪድ ካብ መጋቢት 2020 ኣትሒዛ ኣዝዩ ጽንኲር ናይ ጒዕዞ መምርሒታት ኣጽኒዓ ምጽንሓ ዝፍለጥ እዩ።

ኦስትራልያውያንን ካልኦትን ካብ ዝሓለፈ ዓመት ኣትሕዞም ክምለሱ እኳ እንተተፈቒደሎም ወጻእተኛታት ግና ነዚ ዕድል ኣይረኸብዎም ጸኒሖም።

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com