Wednesday , April 24 2024
MAXIM SHIPENKOV/TT

ከተማ ሎንደን ብ ሰማያዊ ኣብርቕሪቓ!!

ትማሊ ምሸት ዋንጫ ኤውሮጳ ንምዕታር ዝተፍጠጣ ክልተ ክለባት ከተማ ሎንደት ክለብ ኣርሰናል በዚ ዓወት ጌራ ናብ ቻምፒዮን ሊግ ናይ ምጽንባር መደባ ብ ክለብ ቸልሲ ተቕጽዩ። ኣብዚ ኣብ ከተማ ኣዘርባጃን ቦኩ ዝተኻየደ ናይ ፍጻሜ ጸወታ ክለብ ቸልሲ ድሕሪ ዕረፍቲ ሓንቲ ካብ ጂሩድ ሓንቲ ካብ ፔድሮ ዝተርፈ ክልተ ሸቶታት ካብቲ ኾኸብ ኮይኑ ዘምስየ ሃዛርድ ብምርካብ ብገፊሕ 4 ብ 1 ተዓዊታ።

ኣብዚ ውድድር ዋንጫ ኤውሮጳ  ጅሩድ ብ 11 ሸቶታት ክደምቕ ከሎ ከለብ ቸልሲ ኹሉ ውድድር ከይተሳዕረት ዛዚማቶ።

ስፓኛዊ ፔድሮ ኩሉ ዓይነታት ዋንጫ ኤውሮጳ ኢዱ ዘንበረሉ እንኮ ተጻዋትይ ክኸውን ክኣሊ።

ኣሰልታኒ ሳሪ ኣብዚ ውድድር 39 ዓወት ብምምዝጋብ ንመጀመርያ ግዜኡ ነዛ ዋንጫ ተዓዊቱላ።

እዚ ጸውታ ሃዛርድ ብወግዒ ናብ ማድሪድ ዝተፋነወላ ሓላዊ ልዳት ቸክ እውን ካብ ጸወታ ኩዑሶ እግሪ መፋኒዊ ኮይና።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com