Wednesday , April 24 2024
Polisen/TT

ከተማ ጉተንበርግ ኣብ ቤት-ትልሂት (ዲስኮ) ንዘጋጠመ ዘሰቅቕ ባርዕ ክትዝክር’ያ

ሎሚ መበል 20 ዓመት ዝኽሪ ናይቲ ኣብ ዘመናዊ ታሪኽ ሽወደን ካብ ዘጋጠሙ፡ እቲ ዝኸፍአ ቀዛፊ ባርዕ ሓዊ ኢዩ። ሽዑ፡ ባካፕላን ኣብ ዝተባህለ ዞባ ከተማ ጉተንበርግ ኣብ ዝተኻየደ ድግስ ባህላዊ-በዓል “ሃሎዊን” (Halloween) ኣብ ዝተላዕለ ባርዕ፡ 200 ሰባት ቆሲሎም፡ 63 ከኣ ሞይቶም።

ቦቢ፡ ሓደ ካብቶም ቅድሚ 20 ዓመታት ኣብኡ ዝነበሩ ኢዩ። ንሱ ንሬድዮ ሽወደን ፒ-3 (P-3) ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ እቲ ሙዚቃ ሃንደበት ደው ምስ በለ፡ ጸጥታ ከምዝሰፈነ ገሊጹ። ኣብ መጀመርያ ሰባት እንታይ ይግበር ከምዘሎ ኣይፈለጡን፡ ጭርቃን (ዳእላ) መሲሉዎም ነበረ።

ቀጺሉ ንሱ፡ ድሕሪ ቁሩብ እዋን ሰባት ብፍርሂ ብርጋገኣዊ ህድማ ስለ ዝጀመሩ፡ ኣብ ንሓድሕዶም ተረጋጊጾም ይብል።

ኣብቲ ን150 ጥራይ ዝተዳለወ ቦታ 400 ሰባት ነይሮም። እቲ ባርዕ ብ4፡ ከይከፈልኩም ኣይትኣትዉን ኢኹም ተባሂሎም ዝተኸልከሉ ቆልዑ፡ ኢዩ ተጀሚሩ። ደሓር ንሳቶም ክሳብ 8 ዓመታት ዝበጽሕ ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ወይ ግድነታዊ ቦታ ተሃድሶ (ዑቕባ) መንእሰያት ክቕጽዑ ተፈሪዶም።

ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ሰኑይ ኣብ ሽወደን ናይ ዝኽሪ መደባት ኪካየዱ እዮም።

ሮዝበህ ኣህላንያን፡ ሓላፊ ናይታ ንቤተ-ሰብን ኣዕሩኽን ግዳያት’ቲ ባርዕ ትግደስ ውድብ’ዩ።

ንሱ ንሬድዮ ጉተንበርግ ፒ-4 (P-4) ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ሰዓት 6 ቅ/ቀ ኣብ ጉስታቭ ኣዶልፍስ ቶርግ፡ ሓደ ዓቢ ህዝባዊ ስነ-ስርዓት ከም ዝካየድ ገሊጹ። ብተወሳኺ ኣብ መዛዘሚ መደብ፡ ኣብ ኣፍደገ ናይቲ ባርዕ ዘጋጠመሉ ህንጻ፡ ናይ ሙዚቃዊ ምርኢትን (ኮንሰርት) መደረታትን ኣቕርቦት ክህሉ ኢዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com