Saturday , April 20 2024
Paris Mayor Anne Hidalgo (AP Photo/Lewis Joly) LEW104

ከንቲባ ፓሪስ፡ ንማክሮን ትብደሆ

ከንቲባ ከተማ ፓሪስ፡ ኣነ ሂዳልጎ፡ ንመዝነት ፕረዚደንት ፈረንሳ፡ ምስ ኢማኑኤል ማክሮን ክትወዳደር ምዃና ተገሊጹ። ንሳ፡ ጽባሕ ሰንበት፡ ናይ ፈለማ ጓል ኣንስተይቲ ፕረዚደንት ንምዃን ክትወዳደር ምዃና ብወግዒ ክትሕብር እያ ክብሉ ብርክት ዝበሉ ኣባላት ሰልፊ ሕብረት ዝኾኑ ኣባላት ፓርላማ ፈረንሳ ገሊጾም ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።

ከባብያዊ ጉዳያት ከም ቀዳምነት እትሰርዕ ጓል 62 ዓመት፡ ሂዳልጎ፡ ኣብቲ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ዝካየድ ቀዳማይ ምርጫ፡ ንሰልፊ ሕብረት ወኪላ እንተ ተወዳዲራ፡ ካብ 7% ክሳብ 9% ድምጺ ክትረክብ ከምእትኽእል ተንተንቲ ፖለቲካ ይግምቱ።

ማክሮን ብወገኑ፡ ንኻልኣይ እዋን፡ ንመዝነት ፕረዚደንት ከምዝወዳደር እኳ እንተዘይገለጸ፡ ክወዳደር ከምዝኽእል ግን ትጽቢት ኣሎ። መወዳድርቲ ማክሮን ክኸውን ዝኽእል፡ እቲ ኣብ ዓመተ 2017 ብማክሮን ዝተሳዕረ፡ ሕሉፍ የማናዊ ናሽናሊስት ዝኾነ ማሪነ ለፔን እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com