Tuesday , April 16 2024

ኩሉ ሰብ ጠሊሙኒ!

ሓቐኛ ዛንታ

ቐዳማይ ክፋል

ብጸጋብርሃን ጎይትኦም

ኢለን  ካብ  ሃገረ  ጀርመን  ናብ  ኣስመራ ካብ  ትመጽእ  ክልተ  ወርሒ  ኣቚጺራ’ኳ እንተነበረት፡  ወሪስዋ  ምስ  ዝነበረ  ጽምዋ  ግና ዓመታት ዝገበረት ኰይኑ ተሰምዓ። ኣብ  ጀርመን  ካብ  ትቕመጥ  ዕስራን ሓሙሽተን  ዓመት  ብምግባር፡  ኣብ ዝተፈላለየ  ኣጋጣሚ  ናብ  ኣስመራ’ኳ መጺኣ  እንተነበረት፡  ከም  ሎሚ  ገይሩ  ግና ጽምዋን ብሕትውናን ኣይተሰምዓን።

“ኣብ  ዓለም  ብዘይ  ሰብ  ከመይ  ኢልካ ይንበር?”  ንነብሳ  ባዕላ  ሓቲታ  መልሲ ስኣነት። 

 “ከም’ዚ  ኢሉ’ኸ  ይጽምወካ  ድዩ?” ኣብ’ታ  ንብሕታ  ዝነበረታ  ክፍሊ፡  ካብን ናብን ተንቀሳቐሰት።

“ግዜ  ይምለስ  ነይሩ  እንተዝኸውን.  .  .” ንዝሓለፈቶ  ግዜኣ  ብምዝካር፡  ክትቈጻጸሮ ዘጸገማ  ጭንቀት  ወረሳ። 

 “እዚ  ከመይ ገይሩ  ይኸውን?  ዘዝደወልኩሉ  ሰብ ምሳይ  ምርኻብ  ክኣቢ…”  ንብዙሓት ሰባት  ቈጺራ  ከተዕልሎም’ኳ  እንተፈተነት፡ ኩሎም  ኣይጥዕመናን’ዩ  እናበሉ  ምርካባ ምእባዮም፡  ገለ  ጠንቂ  ከምዘሎ  ክበርሀላ ክኣለ።  ቅድሚ  ሕጂ  ካብ’ቲ  ትቕመጦ  ሃገረ ጀርመን  ኣብ  ትመጻሉ  ግዜ፡  ብዙሓት  ሰባት ክረኽብዋ  ይጓየዩ  ከምዘይነበሩ፡  ኣብ  ሕጂ በጺሖም  ድሃያ  ምግባርስ  ይትረፍ፡  ተገዲሳ ድሃዮም  እናገበረት፡  ‘እንቋዕ  ብድሓን መጻእኪ’  ዝብል  ዘይምርካባ፡  ኵሉ  ነገራት ሕንቅልሕንቅሊተይ ኰና።

“ንዳዊት’ዶ  ክድውለሉ.  .  .”  ኣስመራ መጺኣትሉ  ኣብ  ዝነበረት  እዋን’ያ  ምስ ዳዊት  ተላልያ፡  ብፍቕሪ  ዝተቖረነት። ምስ  ዝተፈላለዩ  ደቂ-ተባዕትዮ’ኳ  ዘይራ እንተዀነት፡  ዝነውሐ  ግዜ  ግና  ምስ  ዳዊት’ያ ኣሕሊፋቶ።  እንተዀነ  ንዓኡ’ውን  ድሃይ ኣጥፊኣ  ተገዲሳትሉ  ስለ  ዘይትፈልጥ፡  ሕጂ ሰብ  ምስ  ደለየት፡  ናብኡ  ምድዋል  ሕንከት ኰይኑ ተሰምዓ. . .።

ኣዕሚቛ  ብምትንፋስ፡  ንኽትሓስብ ነዊሕ  ግዜ  ኣጥፍአት።  ድሕሪ  ነዊሕ ግና ክትድውለሉ  ብምውሳን፡ ናብ ተንቀሳቓሲ  ቴለፎና ብምምራሕ፡ ናብኡ ንምድዋል ተቢዓ ተበገሰት።

 “ሰላም  መን  ክብል?”  ዳዊት ድምጹ ኣትሒቱ፡ ተቐበላ።

 “ሰላም  ዳዊተይ!  ከመይ  ውዒልካ?” ልስልስ  ኢላ  ንሳ’ውን  ዓጸፌታ  መለሰትሉ።

“እ.  .እ.  .ኣነ.  .ኣነ.  ኢለን’የ.  .  .”  መልሱ ንምስማዕ  ልዕሊ  ካልእ  ግዜ  ህንጡይነት ኣሕደረት።

“መን  ኢለን.  .  .”  ዳዊት  ድንግርግር በሎ።

“ኢለን  ጀርመን  ኣታ  ዳዊተይ.  .  .”  በታ ካብ  ጀርመን’የ  መጺአ  ኢላ  ዝተላለየቶም ጠቒሳ፡ ከተዘክሮ ፈተነት።

 “ኣሃ  መጺኺ  ዲኺ?  እንታይ’ሞ  ነይሩ. . .” ናብ  ኣስመራ  ከም  ዝመጸት  ስለ ዘይፈለጠ፡ ሕውስውስ  በሎ።

“ካብ  ዝመጽእ  ድኣ  ክልተ  ወርሒ  ገይረ ኣለኹ፡  ናፊቐካ  ድማ.  .  .”  ህንጡይነታ ብዘይ ምሕባእ ገለጸት።

 “ኢለንስ  ትናፍቒ  ኢኺ?  ብዝዀነ እንታይ  ነይሩ.  .  .”  ቀልጢፉ  ክፍለያ ደለየ።

“ኣታ  ዳዊተይ  ዘይምጥዓም’ዩ  ኣብዩኒ፡ ሕጂ  ግና  ንዓኻ  ክድብስን፡ ንሕሉፍ ክኽሕስን  መጺአ  ኣለኹ፡  ኣይጥዓመንን በጃኻ.  .  .”  ሕንቕንቕ  እናበለት  ክትመሻኸን ፈተነት።

“ዘይክጥዕመኪ  ይኽእል  እንድዩ፡  ሕጂ ግና  ግዜ  ምስ  ነውሐ  ንስኺ  ድማ  ድሃይ  ምስ ኣጥፋእኪ፡ ንዓኺ ቀቢጸ ሓዳር መስሪተ’የ. . . ሓዳር  ዝገበረ  ሰብ  ድማ  ሰጥ  ኢሉ  ሓዳሩ ክገብር  ጥራይ’ዩ  ዘለዎ።  ስለ’ዚ  ዘራኽብ የብልናን፣  ወዲአ  ኣለኹ.  .  .።”  ኣብ  እዝና ዓጸዋ።  ምድረ  ሰማይ  ክጽልምታ  ጀመረ፡ ኣብ’ዚ  ሰብ  ናፊቓትሉ  ዘላ  እዋን፡  ኵሉ  ሰብ ምርሓቑ  ክውሓጠላ  ኣይክኣለን።  ዋላ  እቶም ሰብ  ክዀኑዋ  ዝተጸበየቶም  ስድራኣ’ውን.  . .። 

 ስድራኣ  ዋላ  እንተኸደቶም  ክቕበልዋ ከምዘይክእሉ፡  ቅድሚ  ሕጂ  ዝፈጸመቶ ተግባራ፡  ውሽጢ  ቤታስ  ይትረፍ፡  ኣብ ድርኩኺት  ከምዘየብጽሓ  ጽቡቕ  ገይራ ትፈልጥ  ነበረት።  ትፍጽሞ  ዝነበረት  ተግባር ስድሪ  ከምዘየሰጕማ  ሕርሕራይ  ገይሩ ተሰወጣ።  ስድራኣስ  ይትረፍ  ነብሳ  ረሲዓ ብምንባራ. . .።

 “ሰብ  የለን  ድዩ?”  ሰብ  ምስ  ስኣነት፡ ሰብ  ደለየት።  ኵሉ  ምጻሩ  ምስ  ስኣነት ድማ፡  ንነብሳ  ክትፍትሽ  ተገደደት፡  ክሳብ ክንድዚ  ሰብ  ካብኣ  ምርሓቑ  ንሳ  ዝፈጠረቶ ጸገም  ምዃኑ  ንምርኣይ፡  ሕሉፍ  ህይወታ ክትፍትሽ ተገደደት. . .። እቲ ዘሰንብድ ታሪኻ ድማ ኣብዚ ኣሎ፡ ኣሰንባዲ ዛንታ. . . ። ነቲ ዝሰንባዲ ዛንትኣ ድማ ከምዚ ይመስል. . .

ዝመጽእ ዘሎ ሰምበት ይቕጽል. . .


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com