Friday , April 26 2024

ኩባንያ መንገዲ ኣየር ራያንኤየር (Ryanair)፡ ሓደ ቢልዮን ክሩና ከሲሩ

ብሕሱር ዋጋ ዘጓዓዕዝ ኣየርላንዳዊ ኩባንያ መንገዲ ኣየር ራያንኤየር፡ ኣብ መወዳእታ ናይ ዓመተ 2020፡ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮና ዘስዓቦ ቅልውላው፡ መጠን ተጠቀምቲ ገያሾ ናይቲ መንገዲ ኣየር፡ ብ78% ብምጉዳሎም፡ ኣብ ሳልሳይ ርብዒ ዓመት፡ ናይ 306 ሚልዮን ዩሮ (ልዕሊ ሓደ ቢልዮን ክሩና) ክሳራ ከምዘጋጠሞ ፋይናንሳዊ ጸብጻባት’ቲ ኩባንያ ሓቢሩ።

ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት፡ መጠን ተሳፈርቲ ከምዘለዎ እንተድኣ ቐጺሉ፡ ካብ 850 ክሳብ 950 ሚልዮን ዩሮ ክሳራ ከጋጥም ከምዝኽእል፡ ፋይናንሳዊ ግምታት’ቲ ኩባንያ ይገልጹ። እዚ ድማ ምስቲ ናይ ዝሓለፈ ዓመታዊ ፋይናንሳዊ ጸብጻብ ክነጻጸር እንከሎ፡ ብሓሙሽተ ዕጽፊ ዝወሰኸ ምዃኑ ኣፍሊጡ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com