Friday , March 29 2024

ኩባንያ ቮልቮ፡ ብኤሌክትሪክ ዝሰርሓ ናይ ጽዕነት መካይን ንምፍራይ ይምድብ

ሽወደናዊ ኩባንያ ቮልቮ (AB Volvo)፡ ሓደስቲ ዝዓይነተን ብኤሌክትሪክ ዝስርሓ ናይ ጽዕነት መካይን፡ ኣብቲ ኣብ ከተማ ዮቶቦሪ ዝርከብ ፋብሪክኡ ምፍራይ ክጅምር ምዃኑን እዚ ድማ ናይ ስራሕ ዕድላት ክኸፍት ከምዝኽእል ተገምጊሙ ኣሎ።

ኩባንያ ቮልቮ፡ ነዘን ካብ ዞባ ናብ ዞባ ክጓዓዛ ዝኽእላ ናይ ጽዕነት መካይን ከፍሪ ምጅማሩን እዘን መካይን ድማ ሓንሳብ ብኤሌክትሪክ ምስ ተመልኣ፡ ክሳብ 300 ኪሎ ሜትሮ ክጓዓዛ ከምዝኽእላ ተፈሊጡ ኣሎ።

እዚ መደብ፡ ንነዊሕ እዋን ናይ ስራሕ ዕድላት ዝኸፍት እዩ ክብል ኣብ ኩባንያ ቮልቮ፡ ሓላፊ ናይ ኤሌክትሪክ መካይን፡ ዮናስ ኦዲርማልም፡ ንሬድዮ ኢኮት (Ekot) ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ።

ከባብያዊ ብከላ ንምውሓድ፡ ኩባንያታት መፍረ መካይን፡ ብኤሌክትሪክ ዝሰርሓ መካይን ኣብ ምፍራይ ይነጥፋ ምህላወን ናይ ቀረባ ትዕዝብቲ እዩ።

ኩባንያ ቮልቮ፡ ኣብ ውሽጢ 10 ዓመታት፡ ፍርቂ ናይተን ኣብ ኤውሮፓ ዝሽየጣ ናይ ጽዕነት መካይን፡ ብኤሌክትሪክ ዝሰርሓ ክኾና መደብ ሒዙ ከምዘሎ ኣፍሊጡ። ናይ ፈተነ ፍርያት፡ ኣብ ቀረባ እዋን ክጅምር መደብ እኳ እንተሃለዎ፡ ወግዓዊ መፍረ ናይተን ብኤሌክትሪክ ዝሰርሓ ናይ ጽዕነት መካይን ግን ኣብ ዓመተ 2022 ክጅምር እዩ።

ብኻልእ ወገን፡ ኩባንያ ስካንያ፡ በቲ ኣብ ሶደርቴልያ ዝርከብ ፋብሪካ፡ ካብ ዝቕጽል ዓመት ጀሚሩ፡ ብኤሌክትሪክ ዝሰርሓ ናይ ጽዕነት መካይን ምፍራይ ክጅምር ምዃኑ ኣፍሊጡ ኣሎ። እዘን ዝፈርያ መካይን፡ መዝሓሊ ዘለወን ናይ ጽዕነት መካይንን ናይ ጓሓፍ መካይንን ክኾና እየን።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com