Thursday , March 28 2024

ኩባንያ ቮልቮ፡ 9000 መካይን ይመልስ

ሽወደናዊ ኩባንያ ቮልቮ፡ ምስቲ ንመከላኸሊ ተባሂሉ ዝተገጥመ ናይ ኣየር ከረጺት (Airbag) ጸገማት ዘለወን 9000 መካይን ካብ ዕዳጋታት ስሒቡ ክብል ንዮተበሪ ፖስተን ብምጥቃስ ማዕከን ዜና TT ሎሚ ሓቢሩ።

እቲ ንናይ ኣየር ከረጺት ዝቈጻጸር ንእሽቶ ኮምፕዩተር፡ ብሰንኪ ኣብ ምግጥጣም ዝተፈጥረ ጉድለት፡ ካብ ቦትኡ ይንቀሳቐስ ብምህላዉ እዩ እቲ ጸገም ተፈጢሩ ክብል እቲ ኩባንያ ገሊጹ።

እዘን ዝተጠቕሳ መካይን፡ ዝሓለፈ ሓጋይ፡ ኣብ ፋብሪካ ዮተበሪ ከም ዝፈረያን 900 መካይን ድማ ኣብ ውሽጢ ሽወደን ከምተሸጣ ኣፈኛ ቮልቮ፡ ማግኑስ ሆልስት፡ ሓቢሩ።

ኩባንያ ቮልቮ፡ ምስቲ ዝፈጸሞ ጉድለት ዝተሓሓዝ፡ ዝኾነ ጥርዓናት ከም ዘይተቐበለ ቮልቮ ሓቢሩ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com