Tuesday , April 23 2024

ኩባንያ ቮልክስዋገን፡ ሓደስቲ ፋብሪካታት መፍረ ባተሪ ክኸፍት መዲቡ

ጀርመናዊ ኩባንያ ቮልክስዋገን፡ ክሳብ ዓመተ 2030፡ ኣብ መላእ ኤውሮፓ ሽዱሽተ ሓደስቲ ፋብሪካታት መፍሪ ባተሪ ክኸፍት ምዃኑ ሓቢሩ። እዘን ፋብሪካታት፡ ዓመታዊ ፍርያተን ክሳብ 240 GWh (Gigawatt hours) ክበጽሕ ከምዝኽእል፡ ብተወሳኺ ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።

እዘን ሓደስቲ ፋብሪካታት፡ ብኩባንያ ቮልክስዋገን ዝመሓደራ ክኾና እንከለዋ፡ ገለ ካብኣተን ድማ ብምትሕብባር ኖርዝቮልት (Northvolt) ክመሓደራ ምዃነን ተፈሊጡ ኣሎ። ኩባንያ ቮልክስዋገን፡ ዋንነቱ ብምዕባይ፡ ኣብ ዝቕጽል ዓሰርተ ዓመታት፡ ናይ ሓደ ቢልዮን ባተሪታት ጠለብ ከማልእ ምዃኑ ሓቢሩ።

ኣብ ኽሌፍትዮን (Skellefteå) ጀርመናዊት ከተማ ዛልትዝጊተር (Salzgitter) ዝርከባ ክልተ ናይ ኩባንያ ኖርዝቮልት ፋብሪካታት፡ ብዓይነተን ናይ ፈለማ እዋን ኮይነን፡ ዓመታዊ ክሳብ 40 GWh ከፍርያ ትጽቢት ይግበረለን።  

ብተወሳኺ፡ ኩባንያ ቮልክስዋገን፡ ንመምልኢ ባተሪታት ብዝምልከት፡ ምስ ኩባንያታት  BP፡ ኤነልን (Enel) ኣይበርድሮላን (Iberdrola)ን ሽርክነት ክኣቱ ምዃኑ ኣፍሊጡ ኣሎ።

በዚ ናይ ፍርያት መስርሕ ተደሪኹ፡ ኩባንያ ቮልክስዋገን፡ ንዋጋ ናይ ሓደ ኪሎዋት ሃዋር (kilowatt hour) ካብ 110 ዩሮ ናብ ትሕቲ 100 ዮሮ (1000 ክሮነር) ከጉድሎ ምዃኑ ኣፍሊጡ ኣሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com