Wednesday , April 24 2024

ኩባንያ ኣስትራዘኒካ ዘፍረዮ ክታበት፡ ዝያዳ መጽናዕቲ ከድልዮ እዩ ተባሂሉ

ሽወደናዊ ብሪጣንያዊ ኩባንያ ኣስትራዘኒካ ምስ ዩኒቨርሲቲ ኦክስፎርድን ብምትሕብባር ውጽኢታዊ ክትባት  ጸረ ኮሮና ረኺብና ኢሎም ምስ ኣወጁ ድሕሪ ሒደት መዓልታት ኣብ ፍርያት ጸገም ከም ዘጓነፎም ኣሚኖም። ገለ ካብቶም ኣብቲ መጽናዕቲ ዝተሳተፉ ሰባት፡ ተመሳሳሊ ግብረ መልሲ ስለምንታይ ኣይሃቡን ንዝብል ሕቶ ግና ኣይጠቐስዎን ኣለዉ።

ካብቶም ክልተ ግዜ ምሉእ ዶዝ ዝወሰዱ ሰባት እቶም ዝወሓደ ዶዝ ዝተዋህቡ ወለንተኛታት እዮም  ዝሓሸ ውጽኢት ኣመዝጊቦም ዘለዉ።

ኣብዞም ውሑድ ዶዝ ዝወሰዱ ወለንተኛታት 90% ውጻኢታዊ ኰይኑ ከም እተረኽበ እቶም ድርብ ዶዝ ዝወሰዱ ድማ 62% ውጽኢታዊ ምዃኖም ብጠቕላላ እዚ መድሃኒት 70% ውጽኢታዊ እዩ ከም እተባህለሉ ድማ ተመልኪቱ።

ፋይዘርን ሞደርናን ተመሳሳሊ ቴክኖሎጂ ዝጥቀሙ ኮይኖም ኣስትራዜነካ ግና ፍልይ ዝበለ ኣቀራርባ ከም ዝጥቀም ድማ ተጠቒሱ።

ዩኒቨርሲቲ ኦክስፎርድ ነዚ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ኣብዚ መርመራ እተጠቀምሎም ጥቕላላት፡ እቲ ቅኑዕ ዝኾነ ጻዕቂ ከምዘይነበሮም ስለዝኾነ ድማ ገለ ወለንተኛታት ፍርቂ ዶዝ ክወስዱ ከም እተገብረ ኣመልኪቱ።

እቲ ዩኒቨርስቲ፡ ብዛዕባ’ዚ ሽግር፡ ምስ ኣዳለውቲ ከም ዝዘተየን እቲ ጌጋ ከም ዝእረም ከም እተገብረን ሓቢሩ። እዚ እናኾነ ኣብቶም ውሑድ ዶዝ ዝወሰዱ ሰባት ዝተራእየ ውጽኢት ቅኑዕ ድዩ ወይስ ስታቲስቲካዊ ጌጋ ንምፍላጥ ኣሸጋሪ እዩ ዝብል ምጉት ክኢላታት ተላዒሉ ኣሎ። ኣብዚ መርመራ 2741 ሰባት ናይ ፍርቂ ዶዝ ክታበት ምውሳዶ 8895 ዝኣኽሉ ድማ ክልተ ዶዛት ምውሳዶም ድማ ተሓቢሩ።

ኣብዚ ውሑድ ዶዝ ዝተኻተቱ ወለንተኛታት፡ ዕድሚኦም 55  ዓመት ከም ዘይበጽሕ ዘመልከተ እቲ ጸብጻብ ኣብ ንኡስ ዝዕድሜኦም ሰባት ባህርያዊ ሕማም ናይ ምክልኻል ስነ ፍጥረታዊ ተኽእሎ ልዑል ብምዃኑ ነዚ ውጽኢት ብዓይኒ ጠርጠራ ከም እንርእዮ ጌሩና ኣሎ ድማ ተባሂሉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com