Wednesday , April 24 2024
Foto: Ulf Palm TT

ኩባንያ ኣባይቲ ማልመ ኣብ ቅድሚ ጐረባብቱ ብዘርኣዮ ዘነውር ባህርያት ናይ ሓደ ሰብኣይ ክራይ ክስርዝ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

እታ ኩባንያ እዚ ሰብኣይ ሽርጥ ጥራይ ተኸዲኑ ዕርቃኑ ንግዳም ከምዝወጽእን ደረጃታት እቲ ኣባይቲ ከም ዝጥቀምን ምፍላጡ ኣረዲኡ።

እዚ ሰብኣይ ኣብዚ ሕጂ እዋን ብጾታዊ ትንኮያን ስምዒት ጐረባብቱ ብምጒድኡን ተኸሲሱ’ሎ። ናይዚ ሰብኣይ ጒዳይ ንቃልዕ ክወጽእ ዝጀመረ ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣብ ዋዜማ በዓል ልደት ኮይኑ ብዘይካ ሽርጥ ዕርቃኑ ኮይኑ ኣብ ኣስካላ ምስ ተራእየ እዩ ኣቓልቦ ክስሕብ ዝጀመረ፡ እዚ ሰብኣይ ኣብ ኣፍደገ ኣባይቲ ጐረባብቱን መላእ ብሎክን ዕርቃኑ ኮይኑ ምዝዋር ኣይገደፈን።

ሰብመዚ እዚ ኩባንያ ኣባይቲ ናብቲ ብሎክ ኣብ ዝመጹሉ ውን ተመሳሳሊ ተግባር ክፍጽም ተራእዩ’ዩ።

ድሕሪ ክልተ ኣዋርሕ እዚ ሰብኣይ መዓጹ ጐረባብቱ ብምኽፋት ኣብ ቅድሚ በዓል ቤት ግብረ ሕቡእ ፈጺሙ። ጸኒሑውን ኣብ ቅድሚ እዞም ሰባት ኮይኑ ከምዝሸነ መሰኻኽር ገሊጾም።

ኩባንያ ኣባይቲ ፍርዲ እንዳ ሕጊ ክጽበ’ውን ኣይደለየን። እዚ ስብኣይ ዝፈጸሞ ተግባር ከቢድ ረብሻ ዝፈጥር ብምዃኑ ነቲ ምስኡ ዝኣተዎ ናይ ክራይ ውዕል ብኡንብኡ እዩ ሰሪዝዎ።

ከምዚ ዝኣመሰለ ተግባር ስምዒት ጐረባብቱ ዝሃሲን ሓቢርካ ናይ ምንባር መንፈስ ዝዘርግን ብምዃኑ ነቲ ውሳነ ከም ዝወዓሎ ውን ገሊጹ።

እቲ ሰብኣይ ግና ነቲ ዝተኸሰሰሉ ተግባር ኣይወዓልኩዎን ብምባል ካብ ቤቱ ከምዘይለቅቕ ኣፍሊጡ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com