Thursday , April 25 2024

ኩነታት ውግእ ሕድሕድ ኢትዮጵያ

እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ልዕሊ ሓደ ሰሙን ዕድመ ኣቑጺሩ ዘሎ ውግእ ሕድሕድ፡ እንዳተጋደደ ብምምጽኡ፡ ናብ ዝላዓለ ሰብኣዊ ቅልዉላዉ ክሰጋገር ዘሎዎ ተኽሎ ዓቢ ከምዝኾነን፡ ድሮ ነዚ ዘረጋግጽ ክስተት ይረአይ ምህላዉ፡ ዉድብ ሕቡራት ሃገራት ኣጠንቂቑ።

ብሰንኪ ኣብ መንጎ ብሰልፊ ብልጽግና ዝምራሕ፡ መንግስቲ ኣዲስ ኣበባን ኣብ ቀረባ ግዜ ብምርጫ፡ ምሕደራ ዝተረከበ ዞባዊ መንግስቲ ትግራይን ዝቕጽል ዘሎ ውግእ፡ ድሮ ብዙሓት ወታሃደራት መንግስቲ ዝርከብዎም ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰላማዉያን ሰባት ናብ ጎረቤት ሃገር ሱዳን ይስደዱ ከምዘሎዉ፡ ዉድብ ሕቡራት ኣብ ዘዉጽኦ መግለጺ ኣረዲኡ።

ማዕከናት ዜና ዓለም ከምዝጠቐስኦ፡ ኣብዚ ግጭት፡ መንግስቲ ኤርትራ ኢዱ ሓዊሱ ከምዘሎን ናብ ዝተሓላለኸ ደማዊ ምፍሳስ ከይሰጋገር ተሰጊኡ ከምዘሎን ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ። ይኹን እምበር መንግስቲ ኤርትራ ኢድ የብለይን ክብል ነቲ ክሲ ነጺግዎ ኣሎ።

ብዙሓት ወገናት ከምዝሕብርዎ፡ እቲ ውግእ ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ፡ ንኹነታቱ ብዝምልከት፡ ጭቡጥን ሓቀኛን ዝኾነ ሓበሬታ ንምርካብ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ኮይኑ ከምዘሎ ይጠቕሳ። 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com