Thursday , April 25 2024
Kim Kardashian West speaks at the "Kim Kardashian West: The Justice Project" panel during the Oxygen TCA 2020 Winter Press Tour at the Langham Huntington, Saturday, Jan. 18, 2020, in Pasadena, Calif. (Photo by Willy Sanjuan/Invision/AP) CAWS142

ኪም ካራዲሻን፡ ናብ ደምበ ቢልዬነራት ትጽምበር

ኮኾብ ሪያሊቲ ቲቪ ዝኾነት፡ ኪም ካራዲሻን፡ ደምበ ቢልዬነራት ብምጽንባር ኣብ ዓለምና ካብ ዝሃብተሙ ሰባት ሓንቲ ክትከውን ክኢላ ክብል ጸብጻብ ቢቢሲ ሓቢሩ።

ብናይ ቴሌቪዥንን ካልእን ኣታዊታታ፥ ሕጂ ጠቕላላ ሃብቲ ኪም፡ ሓደ ቢልዮን ዶላር ኣትዩ ኣሎ ክብል ፎርብዝ ቢዝነስ ዝተባህለ ብዛዕባ ሃብታማት ሰባት ዝዛረብ መጽሔት ሓቢሩ’ሎ። በዚ ድማ ኣብ ዓለምና መበል 2755 ቢልዮነር ተባሂላ ተመዝጊባ’ላ።

ኣመሪካዊ መስራቲ ኣማዞን፡ ጄፍ ቤዞስ፡ ብ 177 ቢልዮን ዶላር እቲ ዝሃብተመ ሰብ ዓለምና ምዃኑ ይንገረሉ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ናብዚ ዝርዝር ካብ ዝኣተዉ ካልኦት ሰባት መስራቲት ሃምብል ዴቲ፡ ዊትኒ ዉልፍ ሀርድን ከምኡውን ሰይቲ ነፍሲሄር ሸልደን ኣደልሰን ዝኾነት፡ ሚርያም ኣደልሰን፡ ተጠቒሶም ኣለዉ። በዓል ቤት ኪም ካራዲሻን ዝነበረ፡ ካንየ ዌስት፡ ንባዕሉ ኣብዚ ደምበ ቢልዬነራት ከም ዝጽብጸብ ይፍለጥ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com