Tuesday , April 23 2024

ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርታት፡ ናይ ርሕቀት ኣገባብ ኣመሃህራ ንኽጥቀማ፡ መንግስቲ ሽወደን፡ ወሲኑ

ኩለን ኣብ ሽወደን ዝርከባ፡ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርታት፡ ነዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና ንምግታእ፡ ካብ ዕለት 7 ታሕሳስ 2020 ክሳብ 6 ጥሪ 2021 ኣብ ዘሎ ግዜ፡ ናይ ርሕቀት ኣገባብ ኣመሃህራ ንኽጥቀማ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን፡ ስቴፋን ሎቪን፡ ሎሚ ኣብ ዘካየዶ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ። ኣብቲ ጋዜጣዊ ዋዕላ፡ ሚኒስተር ትምህርቲ ሽወደን፡ ኣና ኢርክስትሮምን ሓላፊ በዓል መዚ ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን፡ ዮሃን ካርልሰን ከምተረኽቡ ተፈሊጡ።

ንተማሃሮ ካልኣይ ደረጃ፡ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፡ ሎቪን፡ ኩሉኹም ተማሃሮ፡ ሓላፍነታውያን ምኻንኹም ይተኣማመን እየ፡ እዚ ኣብ ገዛ ኮንኩም ትመሃርሉ እዋን ድማ ዝተናወሐ ዕረፍቲ ከምዘይኮነ ይርደኣኩም እዩ፡ ምስ የዕሩኽ መሓዙት ጽንብላት ተካይደሉ እዋን ኣይኮነን፡ ትምህርቲ ጌና ስለዘይተዛዘመ፡ ኣመት ትምህርትኹም ክትገብሩ ይግባእ ብምባል፡ ለበውኡ ኣመሓላሊፉ። ወለዲ ብወገኖም፡ ንኣገዳስነት መምርሒታት በዓል መዚ ጥዕና ኣመልኪቶም ንደቆም ከዘኻኽሩ ይግባእ ክብል ጸዊዑ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com