Thursday , April 25 2024

ካስተር ሰመንያ፡ ጥርዓን ተቕርብ።

ሻምፕዮን ጒያ 800 ሜትሮ፡ ካስተር ሰመንያ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ጐየይቲ ደቀንስትዮ ዝተወሰነ መጠን ነዝዒ ቴስተስትሮን ብምቅዋም ናብ ቤት ፍርዲ ሰብኣዊ መሰላት ኣውሮጳ ጥርዓን ምቕራባ ተገሊጹ። እዛ 30 ዝዕድሜኣ ደቡብ ኣፍሪቃዊት ጐያዪት፡ ኣብ ዝሓለፈ መስከረም ናብ ላዕለዋይ ቤ ትፍርዲ ፈደራል ስዊትዘርላንድ ዘቕረበቶ ጥርዓን ውዱቕ እኳ እንተተገብረ፡ ቀጺሉ ኣብ ቶክዮ ኣብ ዝካየድ ውድድር ናይ ሻምፕዮን ማዕርጋ ንምዕቃብ ተስፋኣ ምሉእ ምዃኑ እያ ትገልጽ። ሕቶና ብትብዓትን ብናጽነትን ክንጎዪ ጥራይ እዩ ድማ ኢላ። ጠበቓታታ ስለምንታይ ስዊትዘርላንድ ንመሰል እዛ ጎያዪት ዘይሓለወት ብምባል ክምጒቱላ ምዃኖም እውን ቢቢሲ ሓቢራ’ላ። ዝተፈላለየ ጾታዊ ምዕባለ ዘለዎም ኣትሌታት ኣብ ቅድድም 400 ሜትሮ ክሳብ 1 ማይል ንምስታፍ ሕክምና ክገብሩ ወይ ናብ ካልእ ርሕቀት ክቕይሩ ኣለዎም ዝብል ሕጊ ካብ ምምሕዳር ኣትሌቲክስ ምውጽኡ ይፍለጥ። ገለ ኣትሌታት ልዑል መጠን ነዝዒ ቴስተስትሮን ከም ዘለወንን እዚ ድማ ኣብ ውድድር ብልጫ ከም ዝህበንን እዩ ዝእመን። ቤት ፍርዲ ዳንነት ስፖርት፡ ነቲ ሰመንያ ንሕጊ 2019 ንምቅዋም፡ ዘቕረበቶ ጥርዓን ነጺግዎ እዩ። ደሓር ግን ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ስዊዘርላንድ፡ ነዚ ሕጊ ብግዜኡ ከም ዝወንዘፎን ጸኒሑ ድማ ከም ዝኸለሶን እዩ ዝግለጽ። እዚ ማለት ኣብ ዓመታት 2012 ከምኡውን 2016 ብ ናይ 800 ሜትሮ ጒያ ወርቂ ማዳልያ ዝተሽለመት፡ ሰመንያ፡ ጥርዓና ስለ እተነጽገ ነቲ ኣብ ዶሓ ዘመዝገበቶ ናይ 800 ሜትሮ ማዕርግ ሻምፕዮንነት ክትዕቅቦ ኣይከኣለትን።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com