Wednesday , April 24 2024
Hasan Jamali /AP/TT

ካሾጊ ኣብቲ ቤትጽሕፈት ቆንስል ኣካላቱ ተጎዛዝዩ

ብመሰረት እቲ ብሰበስልጣን ቱርኒ ን CNN እተዋህበ ሓበሬታ፡ ካሾጊ ኣብቲ ቤትጽሕፈት ቆንስል ተቐቲሉን ተጎዛዝዩን።  ይኹንምበር ነዚ ዘደልድል ወግዓዊ መርትዖ የልቦን።

ናይ ቱርኪ ተመራመርቲ ገበን ኣብቲ ቤትጽሕፈት ቆንስል ብምኻድ ምርመራ ኣካዪዶም።

ስሙ ኪህብ ዘይደለየ ቱርካዊ ምንጪ፡ ካሾጊ ኣብቲ ቦታ ከም እተቐትለ መርትዖ ከም ዝረኸቡ ሓቢሩ።

ምጥፋእ ናይቲ ጋዜጠኛ ኣብ ዓለም ኣውያት ኣላዒሉ። ካሾጊ ናይቲ ንግስነት ስዑዲ ነቓፊ እዩ ነይሩ፡ ምቕማጡ ድማ ኣብ ኣመሪካ ነይሩ። ጥቅምቲ 2 ብስራሕ ናብቲ ቤትጽሕፈት ቆንስል ከይዱ፡ ብመሰረት እታ ኣብ ደገ እትጽበ ዝነበረት ሕጽይቱ ድማ ካብኡ ኣይወጸን።

ሰሉስ ድሕሪ-ቀትሪ እቲ ቆንስል ማለት መሓመድ ኣል ኦታይቢ፡ ባዕሉ፡ ብነፋሪት ናብ ሪያድ ተጓዒዙ።

ናይ ኣመሪካ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ፖምፐዮ ናብ ስዑዲ ዓረብ ብምኻድ ነቲ ጉዳይ ብግልጺ መገዲ ኪጻረ ተዛትዩ።

ፖምፐዮ ነቲ ንንግስነት ስዑዲ ዳርጋ ዚመርሕ ዘሎ ንመሓመድ ኢብን ሳልማን እውን ረኺቡዎ እዩ።

ብድሕርዚ ፖምፐዮ ናይ ቱርኪ ኪኸይድ እዩ።

Leah Millis/AP/TT

ስዑዲ ዓረብ ክትእመን ዲያ?

ካሾጊ ኣብቲ ቤትጽሕፈት ቆንስል ከም እተቐትለ ቱርኪ ነጊራ እያ፡ ነዚ ድማ ናይ ቪደዮ መርትዖ ኣሎዋ።

ናይ ሕቡራት መንግስታት ላዕለዋይ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት፡ ሚሸል ባሽለት፡ እቲ ዲፕሎማስያዊ ናይ ገበን ናጽነት ደው ኪብልን እቲ ጉዳይ ድማ ብዕቱብ ኪምርመርን ኣዘኻኺራ።

ብመሰረት CNN ስዑዲ ዓረብ ነቲ ገበን ክትእመኖ ዝደለየ ትመስል። ግን ክሳዕ ሕጂ ነቲ ጉዳይ ትኽሕዶ እያ ዘላ።

“ማንም ቀታላይ ኪኸውን ይኽእል”

ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ፡ ዶናልድ ትራምፕ ምስ ሳልማን ተዘራሪቡ ነይሩ። ብድሕሪኡ ናይ ትራምፕ ርእይቶ እቲ ቅትለት ብዝኾነ ሰብ ተፈጺሙ ኪኸውን ይኽእል እዩ ዚብል እዩ።

ስዑዲ ዓረብ መሓዛ ኣመሪካ እያ፡ ኣብ ኣመሪካ ድማ ብቢልዮናት ዚግመት ወፍሪ እዩ ዘለዋ። ስዑዲ ነቲ ናይ ካሾጊ ሞት ብሓቂ  ውዒላቶ እንተ ኾይና፡ ንትራምፕ ጸገም ኪኾኖ እዩ።

ነቲ ኣልጋወራሽ ዝኾነ መሓመድ ቢን ሳልማን እውን ኣብ ዓለም ሕማቕ ዝና ከውህቦ ይኽእል እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com