Tuesday , April 23 2024

ካብ ሓደጋ ባሕሪ ዝደሓኑ ስደተኛታት

ኣብ ብዙሓት ጀላቡ ተጻዒኖም፡ ካብ ገማግም ሊብያ ከምዝተበገሱ ዝንገረሎም ኮይኖም፡ ብማእከላይ ባሕሪ ኣቢሎም ናብ ገማግም ኤዉሮጳ ዝጓዓዙ ዝነበሩ ልዕሊ ሰለስተ ሚእቲ ስደተኛታት፡ ብሰራሕተኛታት ሰብ ሞያ ድሕነት ካብ ምጥሓል ከምዝዳሓኑ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ኣረጋጊጹ።

ብመሰረት እቲ ሓበሬታ፡ ኣብታ ልዕሊ 107 ሰባት ጽዒና ዝነበረት ናይ ጎማ ጃልባ ብዝተፈጥረ ምቅጻል ገለ ክፋል ሞተር፡ ዝፈጠሮ ትኪ፡ ከቢድ ናይ ምስትንፋስ ጸገም ዘጋጠሞም ስደተኛታት፡ ብሰራሕተኛታት ህጹጹ ረድኤት፡ ሕክምና ከምዝተዋህቦም እቲ ሓበሬታ ኣረዲኡ።

እቶም ዝተረፉ ስደተኛታት ተጻዒኖመን ዝነበራ ጀላቡ፡ ንጉዕዞ ዘየተኣማምና ኣብ ርእሲ ምዃነን ንሓደጋ ዝተቓልዓ ንጉዕዞ ባሕሪ ዘይቡቑዓትን ከምዝኾና ይንገር።   


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com