Thursday , April 25 2024

ካብ መንእሰያት ኖርወይ እቶም 19% ጥራይ ሃገሮም ናብ ኣውሮጳዊ ሕብረት ክትጽንበር ከም ዝደልዩ ተገሊጹ።

ካብ ትሕቲ 30 ዝዕድሜኦም መንእሰያት ኖርወይ፡ እቶም 19% ጥራይ ሃገሮም ናብ ኣውሮጳዊ ሕብረት (EU) ክትጽንበር ከም ዝደልዩ ሓደ ዳህሳስ ኣመልኪቱ።

ኖርወይ ናብ ኣውሮጳዊ ሕብረት ክትጽንበር ኣለዋ ዝብሉ ባእታታት፡ ካብ ዘቕርብዎም ዝዓበዩ ምጒታት ሓደ፡ መንእሰያት እታ ሃገር ብዛዕባዚ ጒዳይ ርእይቶኦም ኣይተሓተቱን፡ ዝብል እዩ ኔሩ። እንተኾነ ግና፡ ን NHO ወኪሉ ኣብ ዝተኻየደ ዳህሳስ፡ 19% መንእሰያት ኖርወይ ጥራይ እዮም ሃገሮም ኣባል ኣውሮጳዊ ሕብረት ክትከውን ከም ዝደልዩ ገሊጾም ዘለዉ። ኣብ ዝሓለፋ ክልተ ዓመታት፡ ዕድሜኦም ካብ 18-29 ዝኾኑን ሃገሮም ናብ ኣውሮጳዊ ሕብረት ክትጽንበር ዝደልዩን መንእሰያት ኖርወይ 30% ምንባሮም ብ ሰንቲዮ ን ጋዜጣ ክላስካምፐን ዝተኻየደ ዳህሳስ ኣመልኪቱ ምንባሩ ይፍለጥ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com