Thursday , April 25 2024

ካብ ማእከል መፍረ ዝሞለቑ ሓራግጽ፡ ስግኣት ይፈጥሩ።

ካብ ማእከል መፍረ ዘምለጡ ሓራግጽ ዞባ ምፑማላንጋ (ደቡብ ኣፍሪቃ) ንተቐማጦ ከተማ ሄዚቪው ዓብይ ስግኣት ፈጢሮም ኣለዉ ክትብል ቢቢሲ ሓቢራ።

እዞም ለመምቲ፡ ኣብ ከባቢ ዋይት ሪቨርን ሓጽቢን ከባቢኡን ኣለዉ ተባሂሉ ከም ዝሕሰብ ናይቲ ሃገር ተሌቪዥን SABC ሓቢሩ’ሎ። ብውሑዱ 50 ዝኾኑ ዛጊት ናብ ቦትኦም ክምለሱ ተጌሩ ከም ዘሎ እቲ ጸብጻብ ወሲኹ ገሊጹ።

ተቐማጦ ሄዚቪው ኣብ ከቢድ ፍርሂ ኣትዮም ምህላዎም ነቲ መደበር ተሌቪዥን ገሊጾምሉ ኣለዉ። ደቅና ነዚ ቦታ ምሒር እዮም ዝፈትዉዎ። ዓበይቲ’ውን ክሕንብሱ ይመጹ እዮም። ዝምልከቶም ኣካላት ነዞም ሓራግጽ ካብዚ ቦታ ክኣልዩልና ሓቲትና ኣሎና።

እቲ ሩባ፡ ካብ ደረት ሓሊፉ ይፈስስ ብምህላዉ ውሑስ ኣይኮነን። እዞም ሓራግጽ ኣብኡ ድዮም ዘለዉ ወይስ ናባና ቀሪቦም ከይህልዉ ክንፈልጥ ኣይንኽእልን ኢና” ክትብል ሓንቲ ተቐማጢት ገሊጻ። ተቐማጦ እቲ ከባቢ፡ ናብ ገምገም ሓጽቢታትን ሩባን ከይከዱ፡ ኤጀንሲ ቱሪዝምን ፓርክን ምፑማላንጋ ለበዋኡ ኣመሓላሊፉ’ሎ።

ፍቓድ እቲ ናይ መፍረ ትካል ብግዜያውነት ክሕደግ ምዃኑ ተገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com