Tuesday , April 23 2024
Foto: TT

ካብ ሰሉስ ባሕቲ ጥሪ ጀሚሩ ሓድሽ ዝጸደቐ ባጀት ሽወደን ናብ ትግባረ ክሰጋገር ምዃኑ ተገሊጹ።

እዚ ባጀት ብኸመይ ሂወት ሰባት ክጸሉ እዩ? እንታይ ትሕዝቶን ዝርዝራትን ከ ኣለዎ?

ሓደ ካብቶም ኣገደስቲ ባእታታት እዚ ባጀት ኣብ ኩሉ ምጒዳል ቀረጽ ክግበር’ዩ ዝብል እዩ። እዚ ንጡረታን ድጎማ ህንጻን ውን ዘጠቓልል እዩ።

ካብ ባሕቲ ጥሪ ጀሚሩ ዓመታዊ ናይ 10 ቢልዮን ክሮነር ምጒዳል ቀረጽ ክህሉ እዩ። ኣብ ኩሎም ሰራሕተኛታት ዝጸዓን ቀረጽ ብ 210 ክሮነር ክጐድል እዩ ማለት’ዩ።

እዚ ባጀት ብናይ ዓመታዊ 5.2 ቢልዮን ክሮነር ምጒዳል ቀረጽ ንተጠወርቲ ካሕሳ ከዳሉ እዩ። ናይ ሓደ ቢልዮን ክሮነር ወሰኽ ካብ ባጀት መሰጋገሪ መንግስቲ ክስላዕዩ።

እዚ ሓድሽ ባጀት ልዑል መጠን ቀረጽ ደሞዝ ክስርዝ እዩ። ህሉው ሕጊ ከም ዝብሎ ወርሓዊ 40600 ክሮነር ወይ ልዕሊኡ ዝደሞዙ ዜጋ ተወሳኺ ቀረጽ ክኽፍል ይግደድ እዩ።

እዚ ሓድሽ ባጀት ወርሓዊ 42000 ክሮነር ወይ ልዕሊኡ ብዝብል እዩ ክትክኦ። እዚ ሓድሽ ባጀት እቲ ንልዕሊ 65 ዝዕድሚኦም ተወሳኺ ክፍሊት ሽቅለት ክፍቀደሎም ብሰልፊ ዴሳዊ ዴሞክራሲ ዝቐረብ ሓሳብ ሰሪዝዎ።

ንዚ ዝገበረ ንኣዛውንቲ ኣብ ስራሕ ህይወቶም ሽግር ይፈጥረሎም ኣሎ ብዝብል እዩ። እዚ ምጒዳል ክሳብ ባሕቲ መስከረም 2019 ኣብ ትግባረ ክውዕል እዩ።

እዚ ማለት ቀረጽ ኣስራሕቲ ዓመታዊ ብ 2 ቢልዮን ክሮነር ክወርድ እዩ። ባጀት ክርስትያናዊን ዓቃባዊን ሰልፊታት ኣብ ክንክን ጥዕና ሓለዋ ጸጥታን ምክልኻልን ዝግበር ገንዘባዊ ወፍሪ ክውስኽ ዝብል እማመ የጠቓልል።

ኣብ ቤትጽሕፈት ዕዮ ምጒዳል ክግበር፥ ተወሳኺ ቀረጽ ክግበር፡ ናይ ባዕሎም ዋኒን ንግዲ ኣብ ዘለዎም ውልቀሰባት ዝግበር ዝነበረ ደገፍ ምምልማል ኣባላት ክኣ ክስረዝ እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com