Tuesday , April 16 2024

ካብ በዓል-መዚ ሓገዛት ትምህርቲ (CSN) እትረኽብዎ ሓገዝን ልቓሕን ኣብ ሽወደን

እቶም ስደተኛታት ዝኾንኩም ኣብ ሽወደን ክትመሃሩ እትደልዩ ሰባት፡ ካብ በዓል-መዚ ሓገዛት ትምህርቲ (CSN)፡ ብነጻ ዝወሃብ ገንዘባዊ ሓገዝ ክትወሃቡን ከምኡ ውን ንሱ ምስዘይኣኽለኩም ክትልቕሑ ውን ትኽእሉ ኢኹም። እዚ ዕድል’ዚ ኸኣ፡ ድጋፍትምህርቲ (studiestöd) ተባሂሉ ይጽዋዕ። ድጋፍ-ትምህርቲ፡ ነቶም ዝመሃሩ ሰባት ትምህርቶም ኣብ ዝከታተሉሉ እዋን፡ ምስ ክራይ፡ መግብን ካልእ ዘድልዮም ነገራትን ዝተኣሳሰረ ወጻኢታት ንምሽፋን ተባሂሉ ዝወሃብ ድጋፍ እዩ።

ብዜካ`ዚ እቶም ስደተኛታት ዝኾንኩም ሰባት፡ ኣቚሑን ካልእ ንብረት ገዛን ንምዕዳግ፡ ካብ በዓል-መዚ ሓገዛት ትምህርቲ (CSN) ገንዘብ ክትልቅሑ ትኽእሉ ኢኹም። እዚ ኸኣ፡ ልቓሕ መግዝኢ ኣቚሑገዛ (hem­utrustnings­lån) ተባሂሉ ይጽዋዕ።

ናይ ሽወደን ፍቓድ መምርሒ-መኪና ምስዘይህልወኩም ካብ በዓል-መዚ ሓገዛት ትምህርቲ (CSN) ገንዘብ ክትልቅሑ ትኽእሉ ኢኹም። እዚ ኸኣ፡ ልቓሕ መምርሒፍቓድ (körkortslån) ተባሂሉ ይጽዋዕ።

ዝተፈላለዩ ዓይነታት ድጋፍ

ዕድመን ደረጃ ናይቲ ክትመሃርዎ ዝደለኹም ትምህርትን መሰረት ዝገብር፡ ዝተፈላለየ ዓይነታት ድጋፍ ኣሎ። እቶም ኣዝዮም ፍሉጣት ዝኾኑ ዓይነታት ድጋፍ እዞም ኣብ ታሕቲ ሰፊሮም ዘለዉ እዮም:

ሓገዝትምህርቲ (Studiehjälp) ነቶም ኣብ ካልኣይ ደረጃ እትመሃሩ 20 ወይ ውን ትሕቲ 20 ዝዕድሜኹም

መምሃሪሓገዝ (Studiemedel)ሓገዝን ልቓሕን

ድጋፍ ምጅማር ትምህርቲ (Studiestartsstöd)ነቶም ስራሕኣልቦ ዝኾንኩም ዝምልከት

ከም ስደተኛታት መጠን ኣየናይ ድጋፋት ትምህርቲ ይምልከተኩም

ሓደ ካብዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ቅድመ-ኩነታት ዘማላእኩም ምስእትኾኑ ድጋፍ-ትምህርቲ ናይ ምርካብ መሰል ኣለኩም:

  • በዓል-መዚ ኢምግረሽን ከም ስደተኛታት ወይ ውን ዑቕባ ዘድልዮም ሰባት (flykting eller skyddsbehövande) ቈጺሩ፡ መንበሪ-ፍቓድ ዝሃበኩም ምስዝኸውን።
  • በዓል-መዚ ኢምግረሽን ከም ስደተኛታት ወይ ውን ዑቕባ ዘድልዮም ሰባት ዘይኮነ፡ ካልእ ምኽንያታት (synnerligen ömmande omständigheter) መሰረት ጌሩ መንበሪ-ፍቓድ ዝሃበኩም ምስዝኸውን።
  • በዓል-መዚ ኢምግረሽን፡ ብመሰረት ግዝያዊ ሕጊ ምድራት ዕድላት ምርካብ መንበሪ-ፍቓድ ኣብ ሽወደን፡ መንበሪ-ፍቓድ ዝሃበኩም ምስዝኸውን። እቲ ንሕጊ ካልኣይ-ደረጃ ትምህርቲ መሰረት ዝገበረ፡ ንናይ ካልኣይደረጃ ትምህርቲ (gymnasiestudier) ዝወሃብ መንበሪ-ፍቓድ፡ ሓደ ካብዚ ኣብነታት እዩ።
  • ምስ ካልእ ስድራቤት (familjehem) ወይ ውን ኣብ መንግስታዊ መዕቈቢ ህጻናት (HVB-hem) ትቕመቱ ምስእትኾኑ ድጋፍ ትምህርቲ ናይ ምርካብ መሰል ኣለኩም። ኮይኑ ግን እዚ ዝስዕብ ነጥብታት ከተማልኡ ኣለኩም፡
    • ብዕድመ ትሕቲ 20 ዓመት ክትኮኑ ኣለኩም።
    • ዘይወደቐ መንበሪ-ፍቓድ ክህልወኩም ኣለዎ።
    • ኣብ ሓደ ካብዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ መዕቈቢ ትነብሩ ምህላውኩም ዘርኢ ውሳኔ መንግስታዊ ኣካል ክህልወኩም ኣለዎ።

መንበሪ-ፍቓድኩም ዘይወደቐ ክኸውን ኣለዎ

መንበሪ-ፍቓድኩም ዘይወደቐ ክኸውን ኣለዎ። ቀዋሚ ድዩ ወይ’ሲ ናይ ግዜ ገደብ ዘለዎ ፍቓድ’ዩ ዝብል ግን፡ ኣገዳሲ ኣይኮነን። ትምህርታዊ ድጋፍ ናይ ምርካብ መሰልኩም፡ ካብታ መንበሪ-ፍቓድኩም ዝወሰድኩምላ ሰሙን ዝጅምር መሰል እዩ።

ሓተቲ-ዑቕባ

ኣብ ሽወደን መንበሪ-ፍቓድ ተዋሂቦም ዘይፈልጡ ሓተቲ-ዑቕባ ድጋፍ ትምህርቲ ናይ ምርካብ መሰል የብሎምን።

ልቓሕ መምርሒ-ፍቓድ መኪና

እቶም ስራሕ-ኣልቦ ዝኾንኩም ሰባት ናይ ሽወደን ናይ ንእሽቶይ መኪና መምርሒ-ፍቓድ (körkortsbehörighet B) ንምውጻእ ካብ በዓል-መዚ ሓገዛት ትምህርቲ (CSN) ገንዘብ ክትልቅሑ ትኽእሉ ኢኹም። መምርሒ ፍቓድ ምስእትሕዙ፡ ስራሕ ብቐሊሉ ክትረኽቡ ትኽእሉ።

እዚ ልቓሕ፡ ነቶም ስራሕ-ኣልቦ ዝኾንኩም ካብ 18 ክሳብ 47 ኣብ ዘሎ ክሊ-ዕድመ እትርከቡ ሰባት፡ ዝወሃብ ልቓሕ እዩ። እዚ ናይ ምልቃሕ ተኽእሎ፡ ንኹሎም ስራሕ-ኣልቦ ዝኾኑ ሰባት ብኣልማማ ዝምልከት ዘይኮነስ፡ ገለ ተወሳኺ ክማላእ ዝግብኦ ቅጥዕታት ውን ኣሎ እዩ። እንተበዝሐ፡ 15000 ጥራይ ኢኹም ክትልቅሑ እትኽእሉ። እቲ እትልቅሕዎ ገንዘብ ከኣ፡ መምርሒ-ፍቓድ ወንኑ ይትወንኑ ብዘየገድስ፡ ክትመልስዎ ኣለኩም።

ልቓሕ መግዝኢ ኣቊሑ ገዛ

ብመንገዲ ናይቶ ብምምሕዳር ከተማታት ዝግበር ምቕባል ሓደስቲ-ስደተኛታት ዝመጻእኩም እንተ ኾይንኩም፡ ነቲ ሓድሽ ዝወሃበኩም ገዛ ዝኸውን ኣቊሑን ካልእ ንብረትን ንምግዛእ፡ ካብ በዓል-መዚ ድጋፍ ትምህርቲ (CSN) ገንዘብ ክትልቅሑ ትኽእሉ ኢኹም። እቲ ዝግዛእ ንብረት ከም ንኣብነት፡ ዓራት፡ ሸሓኒታት፡ ድስቲ ከምኡ ውን መናብር ክኸውን ይኽእል። እዚ ገንዘብ ግን ኣስቤዛ፡ ወረቐት ሽንቲ-ቤት ወይ ውን ክራይ-ገዛ ንምኽፋል ክውዕል ኣይግባእን። እዚ ልቓሕ’ዚ ኸኣ፡ ልቓሕ መግዝኢ ኣቊሑ ገዛ ወይ ውን (hemutrustningslån) ተባሂሉ ይጽዋዕ።

ክንደይ ዝኸውን ገንዘብ ክትልቅሑ ትኽእሉ፡ ቊጽሪ ኣባላት ስድራቤትኩም ክንደይ እዩ፡ እቲ ገዛ`ኸ ንብረት ኔሩዎ ድዩ ወይሲ ባዶ እዩ ኔሩ፡ ክንደይ ዘኽውን ገንዘብ`ከ ኣለኩም፡ ዝብል ረቋሒታት መሰረት ዝገበረ እዩ።

ኣብ ሽወደን ዝተወሰነ ግዜ ድሕሪ ምጽናሕኩም ከኣ፡ ነቲ ልቓሕ ክትመልስዎ ክትጅምሩ ኣለኩም። ልቓሕ ካብታ ዝተዋህበኩምላ ዕለት፡ ድሕሪ ኽልተ ዓመት ኢኹም ነቲ ልቓሕ ክትከፍልዎ እትጅምሩ።

ምንጪ: csn


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com