Friday , April 19 2024

ካብ ኣደናገርቲ ኮሮና ቫይረስ ተጠንቀቑ

ኮሮናቫይረስ ፍርህን ራዕድን ከስፍን ከሎ፡ ብዙሓት ሰባት ገንዘብ ንምኽዕባት ይጥቀሙሉ ኣለዉ። ገለ፡ ናይ ኣቕሑ ዋጋ የንህሩዎ፡ ገለ ድማ ካብ ክፍሊ ጥዕና ኢና እናበሉ ንኣረጋውያን ይዘምቱዎም ኣለዉ። ስለዚ ከምዚ ዚስዕብ ብምግባር ነብስኻ ሓሉ። 

ከም ኮሮናቫይረስ ዝመሰሉ መዓታት ንገሊኡ ጽቡቕ ኪገብር ንገሊኡ ድማ ሕማቕ ኪገብር ይድርኹዎ ኢዮም። ገለን ኪተሓጋገዙ ይረኣዩ፡ ገለን ድማ ነቲ ኩነታት ተጠቒሞም የደናግሩ። ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ገለ ኣረጋውያን በቶም ደዊሎም ኣብ ገዝኦም ዝመጹዎም፡ ካብ ክፍሊ ጥዕና ኢናሞ ናይ ኮሮናቫይረስ ፈተነ ክንገብረልኩም ኢና ዝበሉዎም ሰባት ተታሊሎም እዮም። 

ግን ትካላት መንግስቲ ወይ ባንክታት ደዊለን ፓስዎርድ ወይ ናይ ባንክ ኣይ.ዲ ዝሓታ የለዋን። ስለዚ ኣይትመልሸሎም። 

ካልእ መገዲ ምክልኻል ድማ ነቲ ቁጽሪ ተለፎንካ ባንክዪሮ ደጋጊምካ ብምርግጋጽ ነቲ ፋክቱራት ካብቶም ናይ ሓቂ ሰባት ዲዩስ ወይስ ካብቶም ደዊሎም ዘታልሉ ምዃኑ ትፈልጥ፡ ይብል ሲናን ኣክዳግ ኣብቲ ናይ ሽወደን ኣህለኽቲ ዲጂታላዊ ክኢላ።

–  ካብ ሓደ እትፈልጦ ሰብ ናይ ገንዘብ ሓገዝ ወይ ዕድጊ ዚሓትት ኤስ ኤም ኤስ ምስ ዚመጸካ ፡ መታን ንሱ ወይ ዘይንሱ ምዃኑ ከተረጋግጽ ነቲ ዝለኣኸ ሰብ በቲ ዝዓቀብካዮ ቁጽሪ ተለፎን ጌርካ ከም ብሓድሽ ደውለሉ፡ ይብል ሲናን ኣክዳግ። 

ናይ ኣህላኺ ሓይልኻ ተጠቐም

ሽወደናውያን ኣህለኽቲ (https://www.sverigeskonsumenter.se) መኽሰብ ዘይብሉን ካብ ፖለቲካን ሃይማኖትን ዘግለለ ንዝያዳ ናይ ኣህለኽቲ ሓይሊ፡ ናይ ኣህለኽቲ መሰላትን ንውሑስ ርጉጽን ፍርያት ዚቃለስ ድርጅት እዩ። ከምዚ ኪብሃል ከሎ፡ ሓደ ውልቀሰብ ንበይኑ ምስ ምንሃር ዋጋ ኪቃለስን ኪጸሉን ይኽእል እዩ ማለት እዩ። (https://www.sverigeskonsumenter.se/vad-du-kan-gora/bli-en-smartare-konsument/anvand-din-konsumentmakt/)

  • ኣብዚ እዋን’ዚ ሓደ በዓል ድኳን ዋጋ ኪውስኽ ምስ እትርእዮ ምኽንያቱ ንምሕታት ኣይትፍራህ።  ምስ ጎረቤትካ ተዛራሪብካ ኣብ ካልእ ቦታ ዓድግ። ነቶም ጽቡቕ ዚገብሩ ሰብ ድኳን ግን ነዚ ከቢድ ግዜ’ዚ መታን ኪሓልፉዎ ደግፎም፡ ትብል ማሪያ ቪሰል ካብ ሽወደን ኣህለኽቲ።  

ንመገሻ ወይ ካልእ ንጥፈታት ክትምዝገብ ከሎኻ ክትዝክሮ ዘሎካ 

ማሪያ ቪሰል መብዛሕትኡ ግዜ ከም ናይ ኣህለኽቲ ኣማኻሪት ኮይና እያ እትሰርሕ፡ ነቲ እቶም እተታለሉ ኣህለኽቲ ዚሓቱዋ ሕቶታት ትምልሽ። ኣብዚ እዋን’ዚ ንጕዕዞ ዚምልከቱ ብዙሓት ሕቶታት ትቕበል ኣላ ከምኡውን ሓደ ሰብ ነቲ እተኸፍለሉ ጕዕዞ ምስ ዚስረዞ ወይ ድማ ባዕሉ እቲ ገያሻይ ነቲ ጕዕዞ ወይ ንሓደ ንጥፈት ኪስርዞ ምስ ዚደሊ ዚስዕብ ኩነታት ትገልጽ። ወርሒ ሰነ ክትገይሽ ትሓስብዶ? እንተ ዘይደሊኻ፡ መገሻኻ ክትስርዞ መሰል ኣሎካዶ?

 ናይ ምስራዝ መሰል፡ ሕማም ስለ ዝፈራህካ ዘይኮነስ ስለ ዝሓመምካ እዩ ዚወሃብ። ናይ በረራ ቲከት ዓዲግካ እንተ ኾንካ፡ እታ ናይ በረራ ኩባንያ ብዛዕባ ምስራዝ ጕዕዞ እንታይ መምርሒ ከም ዘለዋ ኣንብብ።ይኹንምበር እቲ ጕዕዞኻ ናይ ጥሙር ጕዕዞ ወይ ፓክትረሳ ምስ ዚኸውን፡ ኣድላዪ ጕዕዞ ስለ ዘይኮነ ክትስርዞ መሰል ኣሎካ። ንተወሳኺ ሓበሬታ ኣብዚ ተመልከት፥

(ብተወሳኺ ኣብዚ ኣንብብ: https://www.sverigeskonsumenter.se/nyheter-press/nyheter-och-pressmeddelanden/resor-och-rattigheter-i-corona-tider/)

ኣብ ኢንተርነት ነብስኻ ካብ ኣደናገርቲ ንምክልኻል ክትፈልጦም ዘሎካ ምኽርታት

  • ደጋጊምካ ኣረጋግጽ! ኣብቲ ለኣኺኡ ዘይትፈልጦ መይል ወይ ኤስ ኤም ኤስ ጥርጣረ ይሃሉኻ። እቲ ስም ልክዕ እንተ ኾነ’ውን ነቲ ናይ ኢመይል ኣድራሻን ቁጽሪ ተለፎንን ደጊምካ ኣረጋግጾ። እቲ ናይ ባንክዪሮ ቁጽሪ ምስቲ ኣቐዲምካ ክትከፍል ከሎኻ ዝነበረ ዝሓለፈ ቁጽሪ ይሰማማዕ ምዃኑ ኣረጋግጽ።  
  • ኣብ መይልካ ዚረኣዩ ኣጠራጠርቲ መላግቦታት ክሊክ ኣይትግበሮም 
  • ተነቀፍቲ ዝኾኑ ሓበሬታታት ከም ፐርሾንኑመር ወይ ቁጽሪ ሒሳብካ ወይ ፓስወርድ ኣይትሃብ። ባንክታት ወይ ትካላት መንግስቲ ከምዚ ሕቶ’ዚ ኣየቕርባን እየን። 
  • ካብ ዘይትፈልጦም ትካላት ዚመጽእ ሎተሪታት ኣይትሳተፎም
  • ሓደ ነገር ምትላል ከም ዘሎዎ ምስ እትጥርጥር ንፖሊስ ንገር
  • ኣብዚ ዚስዕብ ምኽርታት ኣሎካ (https://www.sverigeskonsumenter.se/vad-du-kan-gora/bli-en-smartare-konsument/skydda-din-personliga-integritet/)

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com