Friday , April 19 2024
Fredrik Sandberg/TT

ካብ ውሕጂ ንምድሓን ኣብ ኣባጊዕ ዝሕዘላ ማናቲለ

ኣብ ሳውዝ ኣይላንድ ዝተባህለ ከባቢ ናይ ኒውዝላንድ ድሕሪ ዘጋጠመ ውሕጅን ዕልቕልቕን፡ ሓደ ሰብ ናይ ጎረቤቱ ኣባጊዕ ከብኪቡ ንገዝአን ክመልሰን ኣብ ዝተንቀሳቐሰሉ እዋን፡ ሓያሎ ካብኣተን ማናቲለ ሓዚለን ምስ ጸንሕኦ፡ ነቲ ዝረኣዮ ነገር ክኣምኖ ስለዘጸገሞ፡ ኣዝዩ ቀዘዘ።

እተን ካብቲ ከቢድ ውሕጅ ንምምላጥ ካልእ ኣማራጺ ዘይነበረን ናይ በረኻ ማናቲለ፡ ክልተ ኣብ ዝባን ሓንቲ በጊዕ፡ ሓንቲ ድማ ኣብ ካልእ በጊዕ እየን ተሓዚለን ጸኒሐንኦ። እቲ ሰብኣይ፡ ነተን ድሮ ክሳብ ሸኮንአን ማይ ተዋሒጠን ዝጸንሕኦ ኣባጊዕ ናብ ቤተን ኣብጺሕወን። እተን ማናቲለ ግን ካብ ምጥልቃይ ዝሓልፍ ካልእ ጸገም ኣይነበረንን። ድሕሪ ዝተወሰነ ሰዓታት፡ እቲ ውሕጅ ስለዝሃድአ፡ ነተን ኣባጊዕን ኣብ ዝባነን ዝተዓቝባ ማናቲለን ናብ በረኸአን ምስፈነወን፡ እተን ማናቲለ በሪረን ናብ ጫካአን ክስወራ ግዜ ኣይወሰዳን።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com