Tuesday , April 23 2024
Fredrik Sandberg/TT

ካብ ዝመጽእ ሓድሽ ዓመት ጀሚሩ ሽወደናውያን ርችት ክትኲሱ ፍቓድ ክሓቱ ከድልዮም እዩ ተባሂሉ።

ካብ ሰነ 2019 ጀሚሩ ርችት ክትኲሱ ዝደልዩ ፍቓድ ክሓቱ ከድልዮም እዩ።

ርችት ንዝሓለፉ 2000 ዓመታት ብዙሕ ፍቱዋት መግለጺ ሓጎስ ኾይኖም ይቕጽሉ’ለው።

ርችት ፈለማ ብርሃንን ድምጽን ጥራይ ዘለዎ ኮይኑ ኣብ ቻይናን ህንድን እዩ ተማሂዙ። ድሕሪ ግዜ ከኣ ነዚ ናይ ሎሚ መልክዑ ሒዙ ይርከብ።

ፕረዚደንት ማሕበር ርችት ሽወደን ኤሪክ ኔልሰን “ምስ ብርሃንን ድምጽን ዝተሓሓዝ እዩ” ብምባል ንተሌቪዥን እታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ ቃለመጠይቕ ገሊጹ።

እዛ ናይ ሎሚ ሓዳስ ዓመት ሰባት ብዘይ ፍቓድ ርችት ዝውልዑላ ናይ ምውወዳእታ ዓመት ትኸውን ኣላ ማለት እዩ።

ካብ ዝመዝእ ሓምለ ጀሚሮም ግና ፍቓድ ክሓቱ ከድልዮም እዩ። “ርችት ሓደጎኦም ይበዝሕ” ይብል ኤሪክ ኔልሰን።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com