Tuesday , March 19 2024
Foto Fredrik Sandberg / TT / kod 10080

ካብ ዝተሓተ ማሕበረ-ቚጠባዊ ኩነታት ዝመጹ ተመሃሮ ናብ ካልኣይ ደረጃ ይሓልፉ ኣለዉ ተባሂሉ።

ዝበዝሑ ዝተሓተ ማሕበረ-ቚጠባዊ ኩነታት ካብ ዘለወን ከባቢታት ዝመጹ ተመሃሮ ታሽዓይ ክፍሊ፡ ብጽቡቕ ነጥቢ ሓሊፎም ናብ ላዕለዋይ ካልኣይ ደረጃ ከም ዝኣትዉ ተገሊጹ።

ኣብ 2015፡ 70% ካብቶም ትሑት ኣታዊ ዘለዎም ከባቢታት ዝመጹ ተመሃሮ ታሽዓይ ክፍሊ ናብ ካልኣይ ደረጃ ክኣትዉ እንከለዉ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት እዚ ኣሃዝ ናብ 77% ክብ ምባሉ ተመልኪቱ። እዚ ኣሃዝ ምስተን ካብ ዝሃብተማ ከባቢታት ዝመጹ ተመሃሮ እንክወዳደር ገና ብዙሕ ከም ዝተርፎ እዩ ዝግለጽ። ክሳብ 93% ካብ ሃብታማት ከባቢታት ዝመጹ ተመሃሮ ብቐጥታ ናብ ካልኣይ ደረጃ ከም ዝኣትዉ ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com