Thursday , April 25 2024
Katie Hopkins arrives at the film premiere of "Hairspray" in London. (AP Photo/Nathan Strange, File) TKMY101

ካቲ ሃፕኪንስ፡ ካብ ኣውስትራልያ ተሰጒጋ

ብሪጣንያዊት ሕልፍቲ የማናዊት ኮመንታተር፡ ካቲ ሃፕኪንስ፡ ሕጊ ውሸባ ሆቴል ምጥሓሳ፡ ብጃህራ ክትዛረብ ስለ እተሰምዐት ካብ ሃገረ ኦስትራልያ ክትስጎጒ ከም እተገብረት ተገሊጹ። ዓሌታዊ ዘረባታት ብምውጻእ ብዙሕ ተቓውሞ ዝቐርበላ፡ ካቲ ሃፕኪንስ፡ ነቲ ቢግ ብራዘር ኣውስትራልያ ዝተባህለ ፕሮግራም ንምጅማር እያ ናብ ኣውስትራልያ ኣትያ።

ንሳ ዝሓለፈ ዓርቢ፡ ካብ ሆቴላ ብቐጥታ ኣብ ዝመሓላለፈቶ መልእኽቲ፡ ንጥብቂ ሕጊ ውሸባ ሆቴል እታ ሃገር “ብምሽክዓ” ብሓበን ክትገልጽ ከም እተሰምዐትን እዚ ድማ ከቢድ ህዝባዊ ተቓውሞ ከም ዘስዓበላን ተሓቢሩ። ንሳ ብቐጥታ ኣብ ዘመሓለፈቶ መልእኽቲ፡ ነቶም ኣአንገድቲ ሆቴል ዕርቃናን ብዘይ ማሽፋን ማዕጾ ብምኽፋት ከተሰንብዶም ውጥን ከም ዘለዋ ምግላጻ ተወሳኺ ነቐፌታ ኣስዒቡላ ተባሂሉ። ብዘይካ’ዚ “ዕጽዋ” ኣብ ታሪኽ እቲ ዝዓበየ ሸፈጥ እዩ ክትብል ምብጫዋ ምኽንያት መስጐጒኣ ምዃኑ ተገሊጹ። እቲ ዝለጠፈቶ ሓበሬታ ካብ ኢንስታግራም ከም እተሓከ ተፈሊጡ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com