Saturday , April 20 2024
Security forces are seen at the scene of a blast in Nairobi, Tuesday, Jan. 15, 2019. An upscale hotel complex in Kenya's capital came under attack on Tuesday, with a blast and heavy gunfire. Witnesses and police at the scene called it a terror attack. (AP Photo/Ben Curtis)

ኬንያ ኣብ ተጠንቀቕ

ኬንያ ኣብ ተጠንቀቕ።

 

ኣብ ኡጋንዳ ትማሊ ድሕሪ ዝተፈጸመ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ወኪል ጸጥታ ኬንያ ኣብ ተጠንቀቕ ምህላዉ ተገሊጹ።

ዜጋታት ንዝጥርጥርዎ ክከታተሉን ነቒሖም ክሕክዉን ኣፈኛ መንግስቲ ኬንያ ሲሪስ ኦጉና ኣተሓሳሲቡ’ሎ።

ኣቐድም ኣቢሉ ሰለስተ ብግብረሽበራ ዝተኣስሩ ሰባት ካብቲ ካብ ናይሮቢ ውጽእ ኢሉ ዝርከብ ጽኑዕ ቤት ማእሰርቲ ከም ዘምለጡ ኣብ ዝግለጸሉ ዘሎ እዩ።

ትማሊ ኣብ ኡጋንዳ ሰለስተ ሰባት ብዘካየድዎ ነፍሰ ቕትለታዊ መጥቃዕቲ ምፍንጃር ንባዕሎምን ክልተ ካልኦት ሰባትን ምቕታሎም ተፈሊጡ’ሎ።

ጒጅለ ዳዕሽ ናይዚ መጥቃዕቲ ሓላፍነት ወሲዱ ኣሎ።

ጸሓፊ ጒዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ንዞባዊ ጸጥታ ኣመልኪቱ ንምዝርራብ ኣብ ኬንያ ኣትዩ ኣሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com