Friday , March 29 2024
Pro Shots Photo Agency/TT

ክለባት ኢጣልያ ብዕድለን ይጻወታ::

ብሰሉስ ኣብዝተኻየደ ናይ መዛዘሚ ግጥማት ቻምፒዮን ሊግ ኤውጳ ክለባት ኢጣልያ ዝኾነ ናፖሊን ኢንተርሚላንን ዕድላተን ኣብ ኢደን ብምሓዝ እየን ናብ ሜዳ ዝወረዳ።

ክለብ ኢንተርሚላን ምስታ ካብ ምድባ ብ ኣጉኡ ብ ሓደ ነጥቢ ምትራፋ ዘረጋገጸት ሆላንዳዊት ክለብ ፒኤስቪ ኣይንደሆቨን ኣብ ገዛእ ሜድኣ ትገጥም ብምንባራን መቓናቕንታ ኢንግሊዛውት ክለብ ምስ ብ ኣጉኡ ምሕላፋ ዘረጋገጸት ባርሶሎና ብምንባሩ ምሕላፋ ዳርጋ 90 ሚእታዊ ነይሩ።

እንተኾነ ክትስዕራስ ይትረፈ ድሕሪ ክንደይ ጻዕሪ ብ ናይ ሓባር ውጺት 1 ብ 1 ብምፍልላይ ምስታ ኣብ ሚዳ ካቶሎናዊት ክለብ ኖካምፕ 1 ብ 1 ዝተፈላለየት ቶተንሃም ኣሕሊፋ ብምሃብ ናብ ግጥማት ዩሮካብ ኣምሪሓ።

ካልእ ኢጣልዊት ክለብ ናፖሊ ክልተ ዕድል ብምሓዛ እያ ናብ ሊቨርቡል ተጛዒዛ እንተኮነ ኣብ መብል 34 ደቂቅ ብ ግብጻዊ ሳላሕ ሽቶ ስለተመዝገበታ ከም ጋላ ዓዳ ኢንተርሚላን ናብ ዩሮብ ካብ ኣምሪሓ ትርከብ።

ናብ ግጥም ኣውዲቕካ ምሕላፍ 4 ክለባት ዓዲ ኢንግሊዝ ብምሕላፈን ዓብላልነት ፕሪመር ሊግ ናብ ቦቱኡ ዝትመልስ ይመስል ብምቅጻል ሰለተ ክለባት ኢስጳኛን ቡንድስሊጋ ጀርመን ብምሕላፈን ብቅድመ ተኸተል ይስዕባ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com