Thursday , April 25 2024
nicholas-doherty-pONBhDyOFoM-unsplash.jpg

ክሊማዊ ለውጢ ኣቓልቦ ዝደሊ ብድሆ እዩ ተባሂሉ።

ብዛዕባ ምልዋጥ ክሊማ ዓለምና ተግባራዊ ስጒምቲ እንወስደሉ፡ ዋዒ ዓለምና ናብ ቅድሚ ኢንዱስትርያዊ ደረጃ ማለት 1.5° C ክውሰን እንገብረሉ ግዜ ሕጂ እዩ ክብል ውድብ ሕቡራት ኣገራት ኣፍሊጡ። ኣህጒራዊ ዘተ ክሊማዊ ለውጢ ዝተባህለ ኮሚተ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሰሙን ንምግታእ ዋዒ ዓለምና ኣመልኪቱ ጸብጻብ ምቕራቡ ሬድዮ ሽወደን ኣመልኪታ’ላ። ኣብ ዓለምና ሕጂ ዘሎ ኣታሕዛ ጸዓት እንድሕሪ ዘይተቐዪሩ መጻኢና ኣዝዩ ኣሻቓሊ ክኸውን እዩ ክብል ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረሽ ነቲ ጸብጻብ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ኣመልኪቱ። ናብ ከባቢ ኣየር ዝፍኖ ዘሎ ካርቦን ዝጠንቁ ምልዋጥ ክሊማ ንምክልኻል ብዛዕባ ዝግበር ዘሎ ስርሓት ኣመልኪቱ ጋዜጠኛ ሳየንሳዊ ጒዳያት ሬድዮ ሽወደን ኡልሪካብ ዮርክስተን "ብዓይኒ ቴክኖሎጂ ዝከኣል እካ እንተኾነ" ተሪፉ ዘሎ "ድሌትን ወፍሪን" ጥራይ እዩ ክብል ገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com