Thursday , April 25 2024
Janek Skarzynski / AFP and Joakim Andrén.

ክሊማዊ ለውጢ ጠንቂ ጥዕና ኣእምሮ ይኸውን ኣሎ ተባሂሉ::

ክሊማዊ ለውጢ ኣብ ልዕሊ ኣከባቢ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ጥዕና ኣእምሮ ደቂ ሰብ እውን ሳዕቤን የኸትል ምህላው ተገሊጹ።

መራሕቲ ዓለም ብዛዕባ’ቲ ኣሻቓሊ ኮይኑ ዘሎ ጉዳይ ክሊማዊ ለውጢ መፍትሒ ንምንዳይ ከም መቐጸልታ ስምምዕ ክሊማ ፓሪስ፡ ኣብዚ እዋን ኣብ ፖላንድ ተጋቢኦም ኣብ ዝርከቡሉ እዋን ከይተረፈ እዚ ሽግር’ዚ በብግዚኡ ጭንቀት ይፈጥረሎም ከም ዘሎ ዝተፈላለዩ ሰባት ክገልጹ ጸኒሖም እዮም።

ካሪን ካሊ ኣንደርሰን፡ ክሊማዊ ለውጢ ንዘስዕቦ ዓይነት ጭንቀት ብዝፍውስ ዓውደ-ትምህርቲ ዝሰልጠነት ክኢላ ስነ-ኣእምሮ እያ። ሰባት ኩሉ ግዜ ብሰንኪ ምንቁልቋል ስነ-ኣከባቢ፡ ግዳይ ጭንቀት፡ ጸቕጢ፡ ብስጭትን ጣዕሳን ይኾኑ ምህላዎም ከም ዝገልጹላ ትዛረብ።

ኣንደርሰን ኣብቲ ምስ ሬድዮ ሽወደን ዝገበረቶ ቃለ-መጠይቕ፡ “መጠን እቲ ስምዒት ካብ ሰብ ናብ ሰብ ይፈላለ እዩ። ገለ ሰባት ብዛዕባ’ቲ ጉዳይ ክዝክሩ ኸለው ምስትንፋስ ክሳብ ዝስእኑ ራዕዲ ይኣትዎም” ብምባል ወሲኻ ትገልጽ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com