Thursday , April 25 2024

“ክሊክ ኬሚስትሪ” ኣብ ምምዕባል መድሃኒትን እወታዊ ጽልዋ ክህልዎ ከም ዝኽእል ተገሊጹ።

ሽልማት ኖቤል “ኬሚስትሪ” 2022 ኣብ ኣካላዊ ስነፍልጠትን ምምዕባል መድሃኒትን ኣገዳሲ እወታዊ ጽልዋ ክህልዎ ከም ዝኽእል ተገሊጹ። አሸላሚት ባርቶዚ ኣብ ዓውዲ “ባዮኦርቶጎናል ሪኣክሽንስ” ብዝገበረቶ ኣበርክቶ ኣፍልጦ ረኺባ ምጽንሓ ዝገለጸ ጸብጻብ ሬድዮ ሽወደን፡ እዚ ክስተት ኣብ ህያዋን ዋህዮታት ክፍጠር ምግባር ቅድሚ ሕጂ ዘይሕሰብ ምንባሩ ወሲኹ ኣብሪሁ’ሎ።

ኣብ ንጒሳዊ ኣካዳሚ ሳየንስ ሽወደን ኣባል ኮሚተ ኖቤል፡ ከምኡውን ፕሮፌሰር “ስነህይወታዊ ኬሚስትሪ” ዝኾነ ፒተር ሶምፋይ፡ እዚ ብተሸለምቲ ኖቤል ኬሚስትሪ ዝተረኽበ ሳየንሳዊ ሳየንሳዊ ምዕባለ ኣብ ኣካላዊ ስነፍልጠትን ምህዞ መድሃኒትን እወታዊ ጽልዋ ከም ዝህልዎ፡ ምስ ሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝነበሮ ጻንሒት ገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com