Saturday , April 20 2024
Credit: Adam Ihse/TT

ክልተ መንእሰያት ደቀንስትዮ ብ ቅትለት ተኸሲሰን።

ክልተ መንእሰያት ደቀንስትዮ ብ ቅትለት 21 ዝዕድሜኣ ጓለንስተይቲ ተኸሲሰን። ብመሰረት ኣኽባር ሕጊ እዘን ዕድሜአን 18ን
20ን ዝኾና ተኸሰስቲ ን መዋቲት ብማሕነቕቲ ድሕሪ ምቕታል ንሬሳኣ ኣቃጺለናኦ እየን። በዚ ድማ ቕትለትን ምርኻስ ኣካላትን
ዝብል ድርብ ክሲታት ቀሪቡለን ኣሎ። እዘን ደቀንስትዮ ነቲ ቅትለት ናይ እምነት ክሕደት ቃለን እኳ እንተሃባ፡ እታ ሓንቲ ንመዋቲት
ከም ዘጥቅዓታ፡ እታ ኻልአይቲ ኸኣ ነቲ ሬሳ ምሕባኣ ተኣሚነን ኣለዋ።
መዋቲት ዝሓለፈ ጥቅምቲ ካብ ቫትላንዳ ከም እተሰወረት ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ሬሳኣ ድሕሪ ክልተ ሳምንታት ብደቡብ ሸነኽ ቫትላንዳ
ኣብ ዝርከብ ጫካ ብ ዳህሳሲት ጒጅለ ከም እተረኽበ ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ።
ኣኽባር ሕጊ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ ዋዕላ እዘን መንእሰያት ነዚ ቅትለት ዝፈጸማሉ ድርኺት ዛጊት ብንጹር ከጣልሉ ከም ዘይከኣለ
ገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com