Tuesday , April 16 2024
A newborn hallowed hall is not allowed to be called Vladimir Putin, according to the Swedish Tax Agency (John Stillwell/Pool via AP)

ክልተ ሰብ ሓዳር፡ ንሓድሽ ዉልዶም፡ ፑቲን ዝብል ስም ክሰምይዎ ከምዘይክእሉ ተነጊሮም

ኣብ ምምሕዳር ሃላንድ ዝቕመጡ ክልተ ሰብ ሓዳር፡ ንሓድሽ ዉልዶም፡ ፑቲን ዝብል ስም ክሰምይዎ ከምዘይክእሉ፡ በዓል መዚ ግብሪ ሽወደን፡ (ስካተቨርከት)ሓቢርዎም ክብል ንጸብጻባት ሬድዮ P4 Halland ብምጥቃስ ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

በዓል መዚ ግብሪ ሽወደን፡ (ስካተቨርከት)፡ ንተጠቃሚኡ ዝብድል ወይ ድማ ጸገም ዘምጻኣሉ ኮይኑ እንተድኣ ተሰሚዕዎ፡ ክስርዞ ከም ዝኽእል ይፍለጥ።

ቅድሚ ሕጂ ውን፡ በዓል መዚ ግብሪ ሽወደን፡ (ስካተቨርከት)፡ ንኸምዚኦም ዝኣመሰሉ ኣስማት፡ ክነጽግ ምጽንሑ ይዝከር። ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ግን እዞም ኣጋጣሚታት፡ ብ 90% ከምዝወሰኹ ሬድዮ P4 Kronoberg ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት ኣብ ዘውጸኦ ጸብጻቡ ገሊጹ ምንባሩ ይዝከር።

ካብቶም ብበዓል መዚ ግብሪ ሽወደን፡ (ስካተቨርከት)፡ ዝተነጽጉ ኣስማት፡ ደሞን (Demon)፡ ሉሲፈር (Lucifer)፡ ሚኑስ (Minus)፡ ኣልኪስ (Alkis)፡ ፒስቶልን (Pistol) ሁርን (Hoor) ምንባሮም፡ ጸብጻባ እቲ በዓል መዚ ይሕብሩ።

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com