Thursday , April 25 2024

ክልተ ተመሃሮ ስቶክሆልም ብጾትኩም ክተቅተሉ ፈቲንኩም ብዝብል ገበን ተኸሲሶም።

ፖሊስ ሽወደን ሎሚ ንግሆ ኣብ ቲርሶ ስቶክሆልም ኣብ ዝርከብ ኢንተርናሽናል ኢንግሊሽ ስኩል ዝተባህል ቤትትምህርቲ ክልተ ተመሃሮ ንኻሎኦት ክልተ ተመሃሮ ክቐትሉ ፈቲኖም ብዝብል ክሲ መስሪቶምሎን ኣለዉ።

ቅድሚ ሰዓት 11 ሓደ ካብቶም ተመሃሮ ንብጻዩ ብጽኑዕ ምስ ኣቚሰሎ እዩ እዚ ኲነት ኣጋጢሙ።

እቲ ግዳይ በቲ ዘጋጠሞ ማህሰይቲ ምኽንያት ናብ ሆስፖታል ክዕቈብ ተጌሩ’ሎ።

ፖሊስ ኣብቲ እቶም መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ተመሃሮ ስሕለት ተጠቒሞም እንተኾይኖም ንዝተሓተትዎ ምንም መልሲ’ኳ እንተዘይሃቡ ጋዜጣ ኣፍቶንብላደት ግና ካራ ከም እተጠቕሙ ገሊጻ’ላ።

ፖሊስ ፈለማ ነዚ ክስተት ከም መጥቃዕቲ እዮም ተመልኪቶሞ ኔሮም ጸኒሖም ግና ፈተነ ቅትለት እዩ ናብ ዝብል ዛዝዮም ኣለዉ።

ርእሰ መምህረ ናይቲ ቤት ትምህርቲ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣብ ዝፈነወቶ ሓበሬታ” ሕጂ ዘሰክፍ የለን፥ኲሉ ኣብ ትሕቲ ምሉእ ቊጽጽር እዩ ዘሎ ኢላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com