Wednesday , April 24 2024
Foto: Lubna El-Shanti/Sveriges Radio.

ክልተ ተጻረርቲ ሰልፍታት የመን ንዝርርብ ኣብ ሃገረ ሽወደን ኣትዮም::

ኣልኮምፒስ -ስዊድን: ክልተ ዓበይቲ ሙዃኖም ዝንገረሎም ተቃውምቲ ሰልፍታት የመን ንዝርርብ ኣብ ከተማ እስቶኮልም ኣትዮም ከምዘሎዉ ማዕከናት ዜና ውሽጢ ሃገር ገሊጸን ።

ሰሉስ 04 ታሕሳስ ምስ ወኪል ውዱብ ሃገራት ብሓንሳብ ኣብ ሽወደን ዝተረኽቡ ተቃወምቲ ሁቲ ድሮ ቦትኦም ከም ዝሓዙ እቲ ሓበሬታ ብተወሳኺ ኣረዲኡ ። ወግዓውያን ወከልቲ መንግስቲ የመን ኣብ ቀረባ መዓልታት ከምዝኣትዉ ዝገለጸ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ፡ ክልቲአን ውድባት ኣብ ዝተረኽብሉ ዝርርብ ክጅምሩ ሙዃኖም ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሽወደን ማርጎት ዋልስትሩም ከም ዝሓበረ ብተወሳኺ ገሊጹ ።

ክሳብ ሕጂ ብሸነኽ ውዱብ ሃገራት ይኹን ብክልቲአን ኣንጻራውያን ሰልፍታት ጹጹይ ሓበሬታ ዛዕባ ዝርርቦም እኳ እንተ ዘይትሓበረ ፡ ኣብ ምጅማር ርከቦም እቲ ሓበሬታ ፍኑው ክኸውን ሙዃኑ ኣኣንጋዲት ሃገር ስዊደን ብመገዲ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢኣ ሓቢራ ኣላ ።

ንኽልተ ተኸራኸርቲ ውድባት ኣብ ጣውላ ጉዳየን ክፍትሓ ምግባር ጥራይ ዓቢ ዓውትዩ ዝበለት እታ ሚኒስተር ፡ ቅድሚ ሒጂ ከም ዝዓይነት ርክብ ኣብ ሃገረ ስዊዘርላንድ ተሓሲቡ ግን ከይተተግበረ ከምተረፈ ብተወሳኺ ገሊጹ ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com