Wednesday , April 24 2024
The principal attached the wrong file in the email, will be reassigned. Foto: Annika Byrde / NTB /TT

ክልተ ኣሕሉቕ ቤት ትምህርቲ ፤ ከም እንደገና ክምደቡ እዮም

 

ክልተ ኣብ ዮንሾፒን ዝርከቡ ምክትል ሓለፍቲ ቤት ትምህርቲ: ብሰንኪ ብዛዕባ ሓደ ኣባል መልኪቶም ኣኼባ ድሕሪ ምክያዶም፤ ብዛዕብኡ ዘይቅቡል ፍርዲ ብምትሕልላፎም፤ ካብ መዝነቶም ከም ዝእለዩ ኮይኖም ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።
ሓደ ካብቶም ኣሕሉቕል፤ ናብቲ ዝምልከቶ ኣባል፤ ኢ መይል ኣብ ዝሰደደሉ እዋን፤ ኣብቲ ኣኼባ ዝሓዝዎ ደቓይቕ፤ ብዘይፍላጥ ምስቲ መልእኽቲ ብምኻዱ፤ ኣብቲ ዝተታሕዘ ደቓይቕ፤ ብዛዕባ እቲ ኣባል ዝተዘራረብዎን ርእይቶ ዝሃብዎን ነጥብታት ናብቲ ኣባል ከምዝበጽሐ ተፈሊጡ።
እቶም ክልተ ኣሕሉቕ፤ ካብ መዝነቶም ተኣልዮም ከምዘለዉን ምምሕዳር ከተማ ዮንሾፒን ድማ፤ ነቲ ጉዳይ ይምርምሮ ከምዘሎን፤ ነዞም ኣሕሉቕ ድማ ከም እንደገና ክምድቦም ምዃኑ ኣፍሊጡ ኣሎ። ነዞም ክልተ ኣሕሉቕ ንምትካእ፤ ምምሕዳር ከተማ፤ ኣብ መስርሕ ምህላዉ፤ ኣብ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com