Thursday , March 28 2024

ክልተ ኣመሪካውያን ብስነቍጠባ ናይ ኖበል ሽልማት ተማቒሎም

ኣብዚ ዓመትዚ፡ እቲ ናይ ቁጠባ ሽልማት ኖበል ነቶም ናይ ዕቤት ተዮሪስት ዝኾኑ ዊልያም ኖርድሃውስ ካብ የይል ዩኒቨርሲትን፡ ፖል ሮመር ካብ ኒዩዮርክ ዩኒቨርሲቲ ቤትትምህርቲ ቢዚነስን ብሓደ ተዋሂቡዎም።

ንሳቶም ነቲ ናይ ቁጠባ መሰረታዊ ናይ ምዕባለ ሕቶታት ብምምላሽ መዓጹ ከፊቶም ኪብል ናይ ሃገራዊ ቁጠባ ፕሮፈሶር ኣብ ስቶክህሎም ዩኒቨርሲቲ ቶሽቶን ፐሾን ገሊጹ።

ግምገማ ፖሊሲ ክሊማ

ብመሰረት ፐሾን፡ ክልቲኣቶም በቲ ናይ ምዕባለ ኣገባብ እዮም እተሸለሙ።

ንዊልያም ብዚምልከት፡ እዚ ዳርጋ ቅኑዕ እዩ። እቲ ባዕሉ ዘቀናበሮ ናይ ሲሙለሽን ሞደል ነቲ ናይ ክሊማ ፖሊሲ እተፈላለየ ስጉምቲ ንኽትወስደሉ ብማለት ኣብቲ ናይ IPPC-መስርሕ ዚዝውተር እዩ።

 

ንሮመር ብዚምልከ ግን ነቲ ስለምንታይ እየን ገሊአን ሃገራት ሃብታማት ገሊአን ከኣ ድኻታት ዚብል ሕቶታት እዩ መልሲ ሂቡሉ። ግን ካልእ ተግባራዊ ዝኾነ ናይ ከመይ ጌርካ ናይ ፓተንት ሕጊ ከም እትቕይስ ፍልጠት ድማ ኣቕሪቡ።

 

ፖል ሮመር ንሽልማት ኖቤል ተመሪጽካ ኣሎኻ ምስ ተባህለ ሰምቢዱ። ይኹንምበር ብዙሓት ሰባት ንኺሽለም ትጽቢት ኣንቢሮሙሉ ዝነበረ ሰብ እዩ።

ሎሚ ክልተ ሰባት ብተለፎን ከዛርቡኒ ፈቲኖም።  ግን ኣይመልሽኩን፡ ናይ ምልጋጽ ዝርርብ እዩ መሲሉኑ። ሽልማት ክረክብ እየ ኢለ ኣይሓሰብኩን፡ ይብል ኣብ ሓደ ናይ ቪደዮ ዝርርብ።

“ሕጂ ናይ ምጅማር ግዜ እዩ”

ፖል ሮመር ቅድሚ ሕጂ ከም ዋና ስነቁጠባ ባንክ ዓለም ኮይኑ ኣገልጊሉ እዩ። ንሱ፡ ተክኖሎጂካዊ ዕቤት ኣብቲ ምዕባለ ዘለዎ ኣገዳስነት ኣተኵሩ ሰሪሑ፡ ነቲ ሓድሽ ተክኖሎጂ ንምምራሕ ድማ ናይ ሓሳባት ምዕባለ ከም ዘድሊ ገሊጹ።

ፖል ሮመር፡ ወድሰብ ውሑድ ካርቦን ዳዮክሳይድ ናብ ኣየር ከም ዚሕወስ ኪገብር ይኽእል እዩ ይብል፡ ኣብቲ ናይ ሳየንስ ኣካደሚ ንዕዉታት ወግዒ ዚገበሩሉ ግዜ።

ንሱ ነቲ ናይ ኦዞን ንዃል ኣሎ ዚበሃለሉ ዝነበረ እዋን ይዝክር። ሽዑ ነቲ ጸገም ፍታሕ ንምርካብ ኣዚዩ ገንዘብን ጉልብትን የድልዮ እዩ ዚብል ምኽንያት ይውሃብ ነይሩ። ሕጂ ግን ብዘይካ ምፍታሑ ካልእ ኣማራጺ የልቦን።

እቲ ዝኸፍአ ግን፡ ንሰባት ገለ ከም ዘይግደሱ ምግባር እዩ። ሮመር፡ ነቲ ናይ ክሊማ ጸገማት ገለ ፍታሕ ክንግብረሉ ኣሎና በሃሊ እዩ።

ሕጂ እዩ እቲ ክንጅምር ዚግበኣና ግዜ።

 

እቲ ብድምር 9 ሚልዮን ክሩነር ዝግመት ሽልማት ነዞም ክልተ ሰባት እተዋህበሉ ምኽንያት፡ ነቲ ኣብ ክሊማን ቁጠባዊ ምዕባለን ዚምልከት ዘምጽኡዎ ሓሳባትን ርኽበትን እዩ።

 

እዚ ጉዳይዚ ኣብ ዕቤት ወድሰብ ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ፡ ይብል ፐር ክሩሰል፡ ናይ ሽልማት ኮሚቴ ኣባል።

 

“እቲ ፖልን ዊልያምን ዝረኸቡዎ ሓበሬታ ስነመጎታዊ እዩ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ክሊማን ተክኖሎጂካዊ ምዕባለን ዘሎ  ዝምድና ድማ ብዕምቆት ከም እንርዳእ ገርይሩና። ናይ ሎሚ ዓመት ተዓወትቲ ሽልማት ኖበል፡ ንኹሉ ዘገልግል ውዱእ መልሲ ኣይሃቡናን፡ ይኹንምበር፡ ነቲ ከመይ ጌርና ዘላቒ ቁጠባዊ ምዕባለ ከነምጽእ ንኽእል ዚብል ሕቶ ግን ዳርጋ እኹል መልሲ ሂቦሙሉ እዮም፡ ይብል እቲ ኮሚተ።

ኣዚዩ ዚቀራረብ ኣተሓሳስባ

ዊልያም ኖርድሃውስ ኣብ 1990ታት ነቲ ናይ ሽወደን መፈልፈል ኑክለሳዊ ጸዓት ንምፍንጣሕ ክንደይ ገንዘብ ከም ዚውድእ ንምፍላጥ ምርመራ ኣካዪዱ ነይሩ። ብመሰረት ክሩሰል፡ ንሱ ዳይስ ዚብሃል ሞደል ሰሪሑ ነይሩ። ብኣኡ ገይሩ ድማ ኣብ መንጎ ቁጠባን ፎሲላዊ ነዳድን ሳዕቤን ክሊማን ዘሎ ዝምድና ኣጽኒዑ እዩ።

እቲ ዳይስ ዚብሃል ሞደል ነቲ ናይ ጋዝ ምውጻእ ግምትን ምስ ካርቦን ዲዮክሳይድ ዘለዎ ምትእስሳርን ንምጽብጻብ ኣገልጊሉ እዩ።

እዞም ክልተ ተመራመርቲ እዚኣቶም፡ እተፈላለየ ሕቶታት ኣልዒሎም እዮም፡ ተፈላሊዮም እኳ እንተ ሰሪሑ፡ ብብዙሕ መገዲ ግን ይመሳሰሉ እዮም፡ ይብል ክሩሰል።

ንሳቶም ኣብ ምርመራን ውሳነ ምሃብን ኣብ ዓለም ዓቢ ጽልዋ ገይሮም እዮም፡ ብተወሳኺ ይሕብር ክሩሰል።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com