Thursday , March 28 2024

ሕጂ ክልተ ዓበይት ክለባት ኢንግሊዝ ነታ ዝኸበረት ዋንጫ ቻምፒዮን ሊግ!!

ሎሚ 1 ሰነ ክልተ ክለባት ዓዲ እንግሊዝ፡ ሊቨርፑልን ቶተንሃምን ንዋንጫ ቻምፖዩንስ ሊግ ካብ ሃገረን ወጺአን ኣብ ርእሰከተማ ማድሪድ ክገጥማ’የን።

እዚ ሎሚ ምሸት ዝኻየድ ግጥማ መኸተምታ ነቲ ን ኣስታት ሽዱሽተ ወርሒ ዝወስደ ግጥማት ቻምፒዮን ሊግ ኣብ ምንጎ ክለተ ኢንግሊዛውያ ክለባት ማለት ን መጀመርያ ግዜ ንፍጻሜ በጺሓ ዘላ ቶተንሃምን ን ሻዱሻይ ግዚኣ ዘውዲ ክደፍእ እቲመጣጠር ዘላ ሊቨርፑልን እዩ።

ብኻልእ ወገን እዞም ናይዘን ጋንታታ ኣሰልጠንቲ ክሎቭን ፓቺቲኖን ነዛ ዋንጫ ኢዶም ኣንቢሮምለን ስለይ ዘይፈልጡ ን ምዕዋት ዓቢ ህንጥዩነት ገሮም ይርከቡ ብፍላይ ክሎቭ ን ጀርመናዊት ክለብ ዶርትመን ዘሰልጥነሉ ኣብ ዝነበረ ክለት ግዜ ኣብ ግጥም ፈጻሜ ክስዓር ኪኢሉ እዩ።

ነዚ ጸወታ ንምዕዛብ ኣስታት 800 በረራታት ካብ ኢንግሊዝ ናብ ከትማ ማድሪድ ኣብ ምክያድ ይርከቡ ኣብ ናይ ጽባ ሎሚ ግጥም ፍጻመ መን ትዕወት ትኸውን? ዳርጋ ኩሉ ኣፍቓሪ ስፖርት ሊቨርፑል ከምትስዕር ግሙቱ እካ እንተሃበ ኩዑሶ እግሪ ግን ውጽኢት 90 ደቒቓ ብሙኻኑ ክልትኤን ጋንታታት ማዕረ ዕድል እዩ ዘለወን።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com