Friday , March 29 2024
(AP Photo/Max Pshybyshevsky) XB166

ክሳብ ሕጂ ናብ ኖርወይ ዝኣተዉ ሕሙማት ዩክሬናውያን ደርዘን ጥራይ እዮም።

ኖርወይ 550 ተሓከምቲ ዩክሬይን ክተእንግድ ትጽቢት እኳ እናተነበራ ዛጊት 12 ሕሙማት ጥራይ ናብታ ሃገር ምእታዎም TV 2 ጸብጺቡ። ከም ካንሰር ዝበለ ንህይወት ኣብ ኣደጋ ዘውድቕ ሕማም ዘለዎም ተሓከምቲ ዘድሊ ክንክን ክወሃቦም ምዃኑ ዳይረክተር ጥዕና እታ ሃገር ወሲኹ ገሊጹ’ሎ።

“ፖላንድ ዘድሊ ሓገዝ ክትገብር ትጽዕር ኣላ፡ እዚ ዝድገፍ እዩ። ጥቓ ዩክሬይን ዘለዋ ሃገራት ክሳብ ሕጅ ጽቡቕ ቊጽጽር ዘለወን ይመስላ፡ ኣዚ ግና ቀልጢፉ ክቕየር ይኽእል እዩ” ክብል ኦስለን ገሊጹ’ሎ። ብዙሓት ሕክምናዊ ክንክን ዘድልዮም ዩክሬናውያን ካብታ ሃገር ክወጹ ብዘይምኽኣሎም ኣብ ሓደጋ ከም ዝርከቡ ወሲኹ ኣተሓሳሲቡ። ወርሒ ይገብር መንግስቲ ኖርወይ ምስ ኣውሮጳዊ ሕብረት ብምትሕብባር 550 ዩክሬናውያን ተሓከአምቲ ክቕበል ድሉው ምህላዉ ምግላጹ ዝዝከር እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com