Wednesday , April 24 2024
Jessica Gow/TT

“ክሳብ ሽዑ ቆልዑን ወለዲን ምጥርናፍ ኣገዳሲ እዩ። እወ ኣብዚ ጒዳይ ሓሳበይ ቀዪረ እየ። እዚ ምሉእ ብምሉእ ጒዳይ ሰብኣውነት እዩ” stefan löfven መራሒ ሰልፊ ሶሻል ዲሞክራትስ

ምጥርናፍ ስድራቤት ናይ ሰብኣዊ መሰል ረቓሒ እዩ ተባሂሉ፡፡

ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን Stefan Löfven ምስ ተሌቪዥን Aktuellt ኣብ ዝገበሮ ቃለመጠይቕ ስምምዕ መማረጺ ዳግመ ምቛም መንግስቲ ኣብ ደገፍ ሰልፊ ሲቨርየ ዲሞክራተርና SD ምውዳቕ ማለት እዩ ክብል ገሊጻ።

ኣብቲ ቃለመሕትት Löfven ብዛዕባ ኢሚግሬሽንን ጒዳይ ምጥርናፍ ስድራቤታት ተሓቲቱ ነይሩ።

ሎሚ ዓመት ክውዳእ ዝግብኦ ግዜያዊ ሕጊ ኢሚግሬሽን ንክልተ ዓመታት ክናዋሕ፥ በዚ ድማ ስደተኛታት ጥራይ ዘይኮነ ወላ እቶም ኣማራጺ ሓለዋ ዘድልዮም ሰባት ዘቕረብዎ ናይ ስድራቤት ምጥርናፍ ሕቶ ክናዋሕ ምዃኑ ኣብሪሁ።

እዚ ሚዛን ኣብ ምትሓዝ ኣገዳሲ እዩ ምኽንያቱ ነቲ ግዜያዊ ሕጊ ብምስፋሕ ኣብ ፖሊሲ ምብራር ገለ ምርግጋእ ክንፈጥር ኢና።

እዚ እናኾነ ብዙሓት ሃገራት ሓላፍነት ምውሳድ ክሳብ ዝጅምራ ካብ ሃገራት ኣውሮጳዊ ተወሳኺ ግብረ መልሲ ክንጽበ ኢና ይብል።

“ክሳብ ሽዑ ቆልዑን ወለዲን ምጥርናፍ ኣገዳሲ እዩ። እወ ኣብዚ ጒዳይ ሓሳበይ ቀዪረ እየ። እዚ ምሉእ ብምሉእ ጒዳይ ሰብኣውነት እዩ” ኢሉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com