Saturday , April 20 2024
Credit: Anders Wiklund/TT

ክሳብ 20 ሴንቲሜትር ዝርጒዱ ውርጪ ክወርድ ከም ዝኽእል ተገሊጹ።

ኣብ ምብራቕን ማእከላይን ሽወደን ብሰንኪ ውርጪን ብርቱዕ ንፋስን ኣብ ጎደናታት ገለ ጸገማት ክህሉ ከም ዝኽእል ኣገልግሎት
ክሊማ ሽወደን ገሊጹ። በዚ ድማ ነቲ ኲነታት ኣመልኪቱ እቲ ትካል ብጫ መጠንቀቕታ ኣውጺኡ’ሎ። ኣብ 5-15 ሰንቲሜትር
ዝርጒዱ ውርጪ ክወርድ ከም ዝኽእል ድማ ኣተሓሳሲቡ’ሎ። ብፍላይ ድማ ኣብ ገማግም ባልቲክ ዝርከባ ከባቢታት በዚ
ብብርቱዕ ዝጽለዋ ከም ዝኽእላ እዩ ዝግለጽ ዘሎ። በዚ ድማ ኣብ “ሶደርታልያ”፡ ኡፕሳላ፡ ስቶክሆልምን ጋይልን ክሳብ 20
ሴንቲሜትር ዝርጒዱ ውርጪ ክወርድ ይኽእል እዩ ክብል እቲ ኣገልግሎት ገሊጹ። ብጫ መጠንቀቕታ ኣብ ሳልሳይ ደረጃ
መጠንቀቕታታት እቲ ዝተሓተ ኮይኑ፡ እዚ ካብ ትማል ሰኑይ ኣትሒዙ ክሳብ ሎሚ ሰሉስ ድሕሪ ቀትሪ ጸኒዑ ክጸንሕ እዩ።
ብምኽንያት እዚ ኲነታት ኣየር ኣብ ህዝባዊ መጓዓዝያን በረራን ምድንጓያት ከጋጥም ትጽቢታት ምህላዉ ተመልኪቱ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com