Friday , April 26 2024

ክታበት ኣስትራ ዘነካ፡ ውሑስን ውጽኢታውን ምዃኑ ተረጋጊጹ

ክታበት ኣስትራ ዘነካ፡ ውሑስን ውጽኢታውን ክታበት እዩ ክብል ኤውሮፓዊ በዓል መዚ መድሃኒት ትማሊ ኣብ ዘውጸኦ ጸብጻብ ሓቢሩ።

ብዙሓት ኤውሮፓውያን ሃገራት፡ ንክታበት ኮሮና ካብ ጥቕሚ ደው ኣቢለንኦ ከምዝጸንሓ ይፍለጥ።

ሽወደን፡ ንኣገልግሎት ክታበት ኣስትራ ዘነካ ደው ኣቢልዎ ምጽንሑ፡ ብሰንኪ እቲ ክታበት ድሕሪ ምውሳዶም፡ ገለ ሰባት፡ መድመይቲ ከምዘጓኖፎም ዝገልጽ ጸብጻብ ድሕሪ ምትሕልላፉ ምዃኑ ክብል፡ ኣማኻሪ ሽወደን ኣብ ጉዳያት ተማሓላለፍቲ ሕማማት፡ ኣንደሽ ቴግኒል፡ ሓቢሩ።

ኤውሮፓዊ በዓል መዚ መድሃኒት፡ ነቲ ብብዙሓት ሃገራት፡ ብክታበት ኣስትራ ዘነካ ዝሰዓበ ከይከውን ተባሂሉ ዝንገረሉ ኣሉታዊ ጽልዋታት ብዝምልከት፡ ንምርግጋጹ ሓላፍነት ወሲዱ፡ ክሰርሕ ከምዝጸንሐ ይፍለጥ።   


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com