Friday , April 19 2024
Pfizer-Biontech said in a press release that tests showed that their coronavirus vaccine is safe and provides a robust immune response in children from five to 11 years of age (Nisha Gandhi via AP) NJHO101

ክታበት ፋይዘር፡ ንህጻናት ንኽፍቀድ ተሓቲቱ

ኩባንያ ፋይዘር-ቢዮንቴክ፡ ፍርያቱ ዝኾነ ክታበት፡ ነቶም ኣብ ክሊ ዕድመ 5 ክሳብ 11 ዓመት ዘለዉ ህጻናት ብትሑት ዓቐን (መጠን) ንኽወሃብ፡ ካብ ኣሜሪካ፡ ኤውሮፓን ካልኦት ሃገራትን ፍቓድ ሓቲቱ ከምዘሎ ኣብ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።

ክታበት ፋይዘር፡ ነዞም ዝተጠቕሱ ክሊ ዕድመ፡ ተወሳኺ ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ዝፈጥረሎምን ዝኾነ ዓይነት ኣሉታዊ ጽልዋ ዘይብሉ ምዃኑ፡ እቲ ኩባንያ፡ ገሊጹ።

ክታበት ፋይዘር፡ ንኣብ ትሕቲ 12 ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናት ዝተፈተነ ናይ ፈለማ ክታበት ምዃኑ ይዝከር። ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ክታበት ሞደርና፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ክሊ ዕድመ 6 ክሳብ 11 ዓመት ዘለዉ ህጻናት፡ ፈተነታት የካይድ ምሃላዉ ተፈሊጡ።

ክታበታት ፋይዘርን ሞደርናን፡ ነቶም ልዕሊ 12 ዓመት ዘለዉ ቆልዑ ክወሃብ፡ ፍቓድ ረኺቦም ዘለዉ ክታበታት ምዃኖም ይፍለጥ።

ህጻናት፡ ሕማም ኮቪድ ናይ ምጽዋር ዓቕሞም ልዑል እኳ እንተኾነ፡ ለበዳ ጅር ደልታ፡ ግን ጠንቂ ምሕማሞም ንኸይከውን ስግኣት ብምህላዉ፡ ክታበት ኮቪድ ንክኽተቡ ተደልዩ ከምዘሎ ተገሊጹ።

ኣገባብ ክታበት ናይዞም ኣብ ክሊ ዕድመ 5 ክሳብ 11 ዓመት ዘለዉ ህጻናት ብዝምልከት፡ ክልተ እብረ ክታበት ኣብ 21 መዓልታት ክውግኡ ኮይኑ፡ እቲ መጠን ድማ፡ ሓደ ሲሶ ናይቲ ንደቂ 12 ዓመት ዝወሃብ ብልቃጥ ክታበት እዩ ክኸውን ክብል እቲ ኩባንያ ገሊጹ።

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com